Thursday , April 18 2024

ገለ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ጥልመት

“ሰብ መወዳእታኡ ንገዛእ ሕልናኡ እዩ ዝጠልም”
ዮሴፍ ኮንራድ

ክሕደት ንኽህሉ ኣቐዲሙ ዝተነብረ እምነት ክህሉ ግድነት እዩ። ሓደ ሰብ ንብጻዩ፥ ስድራኡ፡ ሕብረተሰቡ ወይ ኣሚኑ ጠሊሙ ክበሃል እንተኾይኑ ንነፍሲ-ወከፍ እዞም ዝተዘርዘሩ ባእታታት ገለ ግዴታ ከም ዘለዎ እንተስ ዝተጻሕፈ ያታዊ ወይ ብሕልና ዝተነብረ ውዕል ክህሉ ኣለዎ። ብጻይነት፥ ሓዳርን ዜግነትን ረዚን ትርጒም ከም ዝህልዎም ዝገብር ብመሰረቱ እዚ ብሕልና ዝኽተም ውዕል (ኪዳን) እዩ።
እቲ ብጥልመት ዝፈርስ ‘ኪዳን’ እንታይ ምዃኑ ግድነት ብዝርዝር ክግለጽ ኣድላዪ ኣይኮነን። ንብጻይና፡ ንኣሚንና ወይ ንትካልና ዝህልወና ፍሉይ ግዴታ ኣብ መቓን ሕልናና ብድሙቕ ዝምዝገብ እዩ። ሰብ ንብጻዩ ወይ ኣሚኑ እንታይ ግዴታ ኣለዎ? እቲ መልሲ ብጥቕልሉ ከም ነፍስኻ ጌርካ ምፍቃር ዝብል እዩ። ከም ነፍስኻ ጌርካ ምፍቃርከ እንታይ ማለት እዩ? እቲ ኪዳን ዝበሃል ዘሎ ኣብ ቅድሚ ካህን ወይ ቃዲ ወይ ሽማግለታት እትኣትዎ ዝርዝር ማሕላታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ብድርኺት እዚ መንፈስ እትፍጽሞ ሁልቂ መሳፍርቲ ዘይብሉ ሕቡእ ሕጊታት እዩ። ጥልመት ዝብል ቃል ብፍላይ ምስ ስምዒት ሃገራውነት ብብዝሒ ክዝውተር እዩ ዝረአ። “ንሃገርካ ሓንሳብ ጥራይ ክትሞተላ ዝከኣል ምዃኑ ከመይ ዘሕዝን እዩ” ዝብል ሓርበኛዊ ኣባህላ ኤዲሰን መሊሱ ከም ዝጐልሕ ዝገብር ዛንታታት ጥልመት መዛግብቲ ታሪኽ ሃገርነት ኣጻቢቡ ኢና ንረኽቦ። ከምኒ ሆሬሸስን ስኬቮላን ዝበሉ ሮማውያን ሓርበኛታት ብዛዕባቲ ንሃገሩ ትሮይ ብጥልመት ናብ ግሪኻውያን ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣንቴኖር ከም መገሰጺ እናሰምዑ ከም እተሃንጹ ኣየጠራጥርን።
ስጊንጥር ይዂንምበር ስምዒት ሃገራውነት ኣብቶም ካብ ሃገሮም እዚ ዝበሃል ረብሓ ሰብኣዊ ድሕነት ዘይረኸቡ ኣህዛብ እዩ ዝያዳ ጎሊሑ ዝረአ። ሃገርነት መሕጎዲ ቀጻሊ ኲለመዳያዊ ሓርነትን ሰብኣዊ ድሕነትን ምዃኑ ተሪፉ ንባዕሉ ተመላኺ ባእታ ኣብ ዝኾነሉ ኲነታት ብርቱዕ ሃገራዊ ስምዒትን ንሱ ሒዝዎ ዝመጽእ ጋዕገልጠምን ክህሉ ግድነት እዩ። ኲናት፡ ጽልኢ ዘይናትካ እትብሎም ሰባት፡ ዓሌትነት፡ ጎነጻዊ ባህርያትን ካልእን። ሓርበኝነትን ሃገራዊ ጥልመትን ዝበሉ ሓሳባት ከኣ እቶም ዝፈረዩ መግለጺታት እዚ ኲነታት እዮም። ቀደም ዘበን ሚስጥራት ንጒስ ናብ ካልእ ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ከም ዝዓበየ ክሕደት ተቘጺሩ ብሞት ይቕጽዕ ኔሩ።
ብምልኣት እንክጥመት ካብ ንሃገር ምጥላም ንውልቀሰብ ምጥላም ዝከፍአ ሞራላዊ ውድቀት ዘመልክት እዩ። ሃገርነት (ብውሕዱ በቲ ዝስፍሐ ኣተረጓጒማኡ) ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናተቐየረ ዝኸይድ ረቂቕ ሓሳብ እዩ። ሃገራት ብኲናት፡ ምጽናት ዓሌት ፡ መግዛእታዊ ሓድጊ እየን ተፈጢረን። እዞም ጠላማት ተባሂሎም ዝውንጀሉ ሰባት ኣብዚ ሓሳባት ኣይሰማማዕን ወይ ግደ ክህልወኒ ኣይደልን እየ ዝብሉ ኮይኖም እንረኽቦም በዚ ምክንያት ይመስል። ፎርስተር ኢ.ኤም ካብ ብጻይካ ወይ ሃገርካ ንሓዲኦም ክትጠልም ምርጫ እንተዝወሃበካ ንመን ምጠለምካ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ብዘይጥርጥር ሃገረይ ክጠልም ምመረጽኲ ኢሉ መለሰ።
ኣብ ዕርክነት ዘሎ ማእሰር ኪዳን እቲ ዝዓሞቐን ኣዝዩ ኣገዳሲን ምዃኑ ዝበዝሑ ይሰማምዑሉ እዮም። ኣሪስቶትል እቲ ዝለዓለ ሰብኣዊ ርክብ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ዘሎ እዩ ይብል። ዕርክነት በደል ተጻዊሩ ዝሰርር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ እዋን እዚ ሞራላዊ ውድቀት እውን እንተኾነ ዘይሕለል ሓብሓቢ ደጎል ምዃኑ እቲ ሓያል ሕመረቱ እዩ። ሓቀኛ ብጻይና ሕልናና እዩ። ሕልናና ኣብ እዋን ኲራን ካልእ እዋንን ብስምዒት ክዕብለል ይኽእል እዩ። ብጻይና ነቲ ዝሰኣንናዮ ሕልናና እናወከለ ኣብቲ እዋን እንጻረሮ ውዒልና ሓዲርና ግና እንሕጐሰሉ ምኽሪ ይህበና፥ ኣለይ መለይ ይብለና። በዚ ድማዩ ምስ ሓቀኛ ኣዕሩኽና ዘሎና ርክብ ዘይምስምማዕን ኲራን ዘይሰኣኖ። ድላይካ ኲን ኢሉ ዝገድፈካ እሞ ብፍጹም ዓርክኻ ኣይኮነን። ሰንኮፍ ብጻይ እታ ዝዓበየት መመለዪቱ ንብጻዩ ምስ ካልኦት ኮይኑ ዝሓሚ ምዃኑ እዩ። ብዘይተጻሕፈ ሕጊ ዝተቐበሎ ሚስጥራት ብጻዩ ይሸይጥ፡ ብጥቕሚ ተደሊሉ ኣሕሊፉ ክህቦ እውን ድሕር ኣይብልን።
ኣብ ፍቕሪ ዝረአ ጥልመት ቀንዲ ቴማን ቀለብን ብርክት ዝበለ ስነጥበባዊ ስርሓት እዩ። ፍቕራዊ ርክባት ብኣግላልነት ንሓደ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣዝዩ ብርቱዕ ኪዳን ዘለዎ ስምዒት እዩ። እዚ ምስ ዝጠሓስ ድማ እቲ ተጠላሚ ንዕኡ ዝዳረግ መስበርቲ ስምዒት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጠላሚ ዝተጸንበሮ ኪዳን ናይ እማን ዘይምንባሩ ዘመልክት ስለ ዝኾነ። ተኣመንነት ብመሰረቱ ብናጻ እትህቦን እትቕበሎን እምበር ብኣስገዳድ ዝመጽእ ኣይኮነን።
በዚ ድማዩ ኣብ መወዳእታ ሰብ ገዛእ ሕልናኡ እምበር ንማንም ክጠልም ኣይክእልን እዩ ዝበሃል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com