Thursday , April 25 2024
ብናስሮቪች

ገለ ኣስተንኖታት ብሕታዊ ህይወት።

ብናስሮቪች

ህቡባት ሰባት ከም ሎምዘበን ጌሩ ግላዊ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ግዜ ሃልዩ ኣይፈልጥን እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን።
ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ ሚድያን ንሱ ዝፈጠሮ ቃቔጣ ሸውሃት ሓበሬታን ብቐዳምነት ግዳይ ዝገበሮ እንተሎ–ግላዊ ህይወት ሰባት
ብሓፈሻ–ብፍላይ ድማ ናይቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝና ዘለዎም (ህቡባት ሰባት) እዩ። ከም ብዙሕ ካልእ ነገራት ዝና’ውን ናይ
ባዕሉ “ክሻ ምሉእ ጸገማት” ሒዙ ከም ዝመጽእ ሰብ ዝና ከይወዓሉ ከይሓደሩ እዮም ዝግንዘብዎ። ሰባት ብዛዕባ እቲ ብዓል-ዝና
ዘድልዮምን ዘየድልዮምን ዝርዝራት ህይወቱ ክፈልጡ ዘይረዊ ሸውሃት ዘለዎም ምዃኑ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ሽግር—-ነዚ ባህጎም
ንምዕጋብ ኩሉ ነገራት ክገብሩ ድሕር ዘይብሉ ምዃኖም እቲ ዝዓበየ ጸገም እዩ።
ብፍላይ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ስነጥበብ፡ ስፖርትን ካልእን ዓውዲታት ተዓዊቶም ዓብዪ ዝና ዝረከቡ ሰባት፡ ኣብ ግዳም ዘለዎም
ህይወትን ኲሉ ምንቅስቓስን ዓይኒ ካሜራ ኣይፍለዮን እዩ። እዝስ ዝደለ ምኾነ! እቲ ዝኸፍአ እዘን ካሜራታት ልዳት ቤቶም
ሰጊረን ናብ ሕልፍኚን ውሻጠን እውን ክኣትዋ ዝደናደና ምዃነን እዩ። ናብ ቤቶም ዝኣቱን ዝወጽእን ኲሉ ነገራት–ዋላ’ውን
ጎሓፍ እንተኾነ–እዘን ኣዒንቲ ካሜራ ክስእላኦን ኣርእስቲ ዕላል ክገብራኦን ኣይጸልኣን እየን። ከምቲ ንግዳዩ ኣድብዩ ዝጸናቶ
በላዕተኛ ኣራዊት፡ ጋዜጠኛታት ነቲ ህቡብ ሰብ ኣበየ ኲርናዑ እናጸንሑ ብካሜራ ብምልዓል ህይወቱ ዕረፍቲ ኣልቦ ይገብርዎ። ካብ
ዓይኒ ካሜራ ዝኽወለሉ በዓቲን ሽርጓናን እንተዝህሉ ንኸንቱ ይምነ። እቲ ኣብ ፈለማ ግዜያት ዝነበረ ህርፋን ካሜራን ረኣዩኒ
ረኣዩኒን ብክቱር ምስልካይ ናብ “ክሕባእ ክሕባእ” ዝብል ድሌት ክትካእ ግዜ ኣይወስደሉን እዩ።
ተራ ሰብ ከም ንቡር ዝገብሮ ነገር እዞም ህቡባት ሰባት ክፍጽምዎ ምስ ዝርኣዩ ከም ዓብዪ ቅለትን ውርደትን እናተቖጽረ ቀለብ
ወርሒ ጋዜጣታትን ማዕከናት ዜናን ይኸውን። እዚ ካብ ጥንቲ-ጥቅምቲ ዝጸንሐ ልማድ ሕብረተሰባት እዩ። ቅድሚ 2300
ዓመታት ኣብ ኣቴንስ ህቡብ ዝነበረ ሶቅራጠስ ጾታዊ ህይወቱ ናይ ኣደባባይ ኣርእስቲ ዕላል ምንባሩ መዛግብቲ ፍልስፍና ይዛረቡ።
ኣየርላንዳዊ ደራሲ ኦስካር ዋይልድ ሓደ ካብዞም ክሳብ ዒቕ ዝብሎም ብ ጋዜጠኛታት ዝህደኑ ህቡባት ሰባት መበል 19 ክ/ዘመን
እዩ ኔሩ። ንሱ ካብ ጋዜጠኛታት ክሕባእ ብምባል ኣብ ታሕተዋይ ናይ ባቡር ባጎኒ እናተጓዕዘ፡ ናብ ሓደ ብውቁባት ዕንባባታት
ዝመልአ ለሰ ምስ በጽሑ ብምሒር ተምሳጥ ኣእዳዉ ዘርጊሑ፡ “እዋይ ጽባቐ ማለት ኣብዚ እነሀልካ! ኣቤት ግርማ!” በለ። ነዚ
ዝሰምዐ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ድርዕቶ እተኸድነ ሽማግለ “ኣንታ ኦስካር!! ኣብዚ ምህላውካ ከይትፍዳሕ እባ ህድእ በል! ዕንባባታት
ከምዚ ጌሩ ዝፈቱ ብዘይካ ኦስካር ኣብ መልእ ዓዲ እንግሊዝ መን ከይህሉ” ብምባል ዝተሓብአ እኳ እንተመሰሎ ከም ዘይሰመረሉ
ነገሮ ይበሃል።

* * * * *

ግላዊ ህይወት ክቡር እዩ–ብፍላይ ድማ ንህቡባት ሰባት። መቸም ኲሉ ነገር ምስ ረሓቐካ እንድዩ ሓቀኛ ዋግኡ ዝፍለጥ፡ ግላዊ
ህይወት ከም ማይ ምድረበዳ ሃረር ዝብልዎ ህቡባት ሰባት ኣለዉ። እቲ ንሕና ከም ተራን ውሁብን እንቖጽሮ ግላዊ ህይወት ንህቡባት
ሰባት ብርቂን ሳሕቲ ጥራይ ዘስተማቕርዎ መሰል እዩ። እቲ ዝነኛ ክኸውን ክንደይ ኣእማን ዝፈንቀለ ሰብ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ
ብጸቕጢ ጸፋራት ኣእዳው ጋዜጠኛታት ምሒር ክሰላቾን፡ ብሕታውነቱ ሃረር ክብል ምጅማሩን ዘይተርፍ እዩ። በይኖም፡ ኣብ
ዓለሞም፡ ምስ ብልቢ ዝፈትዉዎም ሰባት ኣብ ስቱር ቦታ፡ ኣብ ጽምውቲ ደሴት፡ ብግርህና ናይ ልቦም ከዕልሉ ይደልዩ—–ግና
ኣይረኽብዎን። ገና ዊስኪ ቀዲሖም ቅንዕ ክብሉን ብልጭታ ካሜራ ገጾም ክወቕዖን ሓደ ይኸውን። ኣታዚ ጋዜጠኛኸ ደኣ በየን
ጸንሐ?! ዎ ኣታ ፈጣሪ ናበይ ኢና ንኸዶ?
ሰብ ዝና እውን ልክዕ ከማና ካብ ማንም ካልእ ክሰትርዎ ዝደልዩ ብሕታዊ ህይወትን ሚስጥርን ኣለዎም—ዋእ ሰባት
እኮ’ዮም! ናብ ውሻጠ ህይወቶም ብፍቓዶም ከእትዉዎ ዝደልዩ ሰብ ክመርጹ እውን መሰል ኣለዎም። ኣድናቒኦም ክትከውን
ምርጫኻ እዩ፡ ንሶም እውን ዓርኮም ባዕሎም ክመርጹ ግደፎም።

ብሕታዊ ህይወት ከም ማይን ኣየርን ኣገዳሲ እዩ–ብዘይምግናን። ናይ ውሽጥና ብዘይገድስ ኲልና ናብ ዓለም “ከምዚ እየ”
ንምባል ንግዳም ከነንጸባርቖ እንደሊ ምስሊ ኣሎና። ኣብዚ ምስሊ ምሉእ ቊጽጽር ክህልወና እውን ክቱር ባህግና እዩ። ኲሉ ክፋል
ህይወትካ ንኣዒንቲ ሰባት ቃልዕ እንተኾይኑ (ብፍላይ እኳ ባህ ዘይብል ወይ ዘሕፍር ዝርዝራት ምስ ዝህልዎ) እዚ መሰልካ ጨሪሱ
ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ሰባት ከም ቃሕ ዝበሎም ክቐርጹኻን ክብሪ ክኸልኡኻን ይገብሮም። እዚ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ጒዳይ
ኣይኮነን። ሰባት ብኣፎም “ሰብ ዝበለ እንተበለ…” ዝዝምሩ እኳ እንተኾኑ፡ ብኻልኦት ሰባት ክፍተዉን ክብሪ ክወሃቡን ግና ይደልዩ
እዮም። እዚ ዘይከሓድ እዩ።
ብዘይ ብሕታዊ ህይወት ምንባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ህቡባት ሰባት ካብቲ ወግዓዊን ናይ ማይክሮፎን ዓለም ውጽእ ኢሎም፡ ኣብ
ውሻጠኦም ምስ ዝፈትዉዎም ስድራቤቶም፡ ደቆም ወይ ኣፍቃሪቶም ናይ ብሕቶም ህይወት እናሕለፉ፡ ካሜራኻ ወይ ናይ ድምጺ
ናውቲኻ ኣስሊዂኻ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ክትጸናጸን ምፍታን ካብ ስርቂ ዘይነኣኣስ ገበን እዩ። ምኽንያቱ ከም ሰብ መጠን
ብጽሒቱ ዝኾነ ብሕታዊ ህይወት ናይ ምምራሕ መሰሉ ብጎነጽ ክትምንዝዕ ትፍትን ኢካ ዘሎኻ። ኲልና ሚስጥረኛታት ኢና።
ኣሽምባይ ካብ ሓፋሽ፡ ካብ ደቅና፡ አረ’ውን ካብ በዓልቲ ቃልኪዳንካ እውን ዝሕሎ ናይ ብሕትኻ ዝኽሪ ወይ ሚስጥር ክህልወካ
ግቡእካ ጥራይ ኣይኮነን–መሰልካ እውን እዩ።
ጨሪሱ ሚስጥር ዘይብሉ ምዃን ምስ ህላወ ክቚጸር ኣጸጋሚ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com