Saturday , April 20 2024
COLORSPORT/DANIEL BEARHAM/Imago/TT

ገስጋስ ማንቸስተር ዩናይትድ ንቕድሚት ይምርሽ!

ድሕሪ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ሶልሻየር ማን ዩናይትድ ኣብ 8 ተኸታታሊ ጸወታ ብሙልእ ነጥቢ ዕዮ ገዛ ትዛዝም። ትማሊ ምሸት ናብ ሰሜን ለንደን ተጛዒዛ ምስ ኣርሰናል ዝገጠመት ማን ዩናይትድ ብ ናይ 3ብ1 ዓወት ኣመዝጊባ ናብ ዝቕጽል 5ይ ዙርያ ውድድር ኤፍ.ኤ.ካብ ሓሊፋ። ነዚ ዓወት ዘመዝገበት ትማሊ ምሸት ብፍሉይ ደሚቑ ዘምሰየ ሉካኩ ዝሃንደሰን ክልት ኩዓሳሱ ሳንቼዝን ሊንጋርድ እታ ሳልሰይቲ ድማ ተቀይሩ ዝኣተወ ማርሻል ብዘመዝገብዎን ሸቶታት ክኾና ከለዋ ነታ ካብ ኣቦምያንግ ሓንቲ ሸቶ ዝርኸበታ ኣርሰናል ብምስዓር ርእሳ ዓቕኒዓ ዝወጸት።

ኣብዚ ጸወታ ፖግባን ሉካኩን ዘርኣይዎ ብቕዓት ነቲ ነዛ ክለብ ኣብ ዓዘቕቲ ሽሚምዋ ዝከደ መሪኖ ስሙ ዘህስስን ን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ እዛ ጋንታ ሶልሻየር ፍናኑ ክብ ብምባል ን ኣካየድቲ እዛ ጋንታ ቖላሕትኦም ናብ ካልእ ኣሰጣኒ ከይገብሩ ዘዘኻኽር እዩ። ምኽንያቲ ኣዚ ኣሰልጣኒ ካብ 8 ተኸታታሊ ዓወት እዛ ጋንታ እቲ ክልተ ካብ ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናልን ቶተንሃምን ብድምር 6 ዓወታት ድማ ካብ ሜዳ ወጻኢ ስለዝረኸቦ።

ኣብዚ ግጥም ዕድል መስበርቲ ዘይተጋደፋ ኣርሰናል ሕጂ ውን ን ክልተ ተኸላኸልታ ማለት ኮሸለንን ፓፓስታቶፖሎ ከሲራቶም እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com