Saturday , April 20 2024
TT

ጋል 91 ዓመት ሽወደናዊት ጉን ቢሪት ፈላሚት ተኸታቢት ጸረ ኮቪድ 19

ትማሊ ኣብ መላእ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ክታበት ኮረና ቫይረስ ብወግዒ ዝጀመረ ኮይኑ። ሽወደን እውን ከም ኣካል እቲ ሕብረት ትማሊ ዕለት 27 ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ጀሚራ ክታበት ብውግዒ ክትህብ ጀሚራ።

ኣብ መእለዪ ዓበይቲ ሚዮልቢ  ዞባ ኦስተርጎትላንድ እቲ እለ ጋል 91 ዓመት ጉን ብሪት ጆንሰን ድማ ናይ ፈላሚ ተከታቢት ኣብ ሽወደን ክትከውን ከላ፣ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቅረበላ ሕቶታት ከመይ ከምዝስዕምዓ ክትምልስ ከላ “ዝኮነ ጸገም ወይ ጽላኣት ከምዘይስምዓን ተስፋ ይገብር ከይሓምም ክትብል መልሲ ሂባ”።

ብመስረት ውጥን በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ቀዳሞት እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ መእለዪ ዓበይቲ ዝርከቡ ኮይኖም ቀጺሎም ድማ ኣለይቶም ብሙኻን ንዝሰርሑ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከምዝክተቡ ይሕብሩ። ካብኡ ብምቕጻል ስጋብ ዝመጽእ ሓጋይ ድማ ኩሉ ነባራይ ክኽተብ  ኣብ ውጥን ከምዘሎ እዮም ዝሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com