Tuesday , April 23 2024
House in the evening butter in Tasiilaq, Greenland. (AP Photo/Felipe Dana)

ግሪንላንድ . . . ቀዳማይ ግዳይ ሕማም ኮቪድ-19 ተረኺቡ

ኣብ ሓንቲ ኡፐርናቪክ ዝተባህለት ግሪንላንዳዊት ከተማ፡ ሓደ ሽማግለ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ከምዝሞተን፡ እዚ ድማ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞተ ናይ ፈለማ ግዳይ ከምዝኾነ ጸብጻባት መርበብ ዜና ሰርሚትሲክ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ነፍሲ ወከፍ ሞት፡ ዘሕዝን ፍጻሜ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ እዋን ለበዳ፡ ሰብኣዊ ዋጋታት ክኽፈል ርዱእ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ፡ ከምተን ካልኦት ሃገራት ዝገብረኦ ክንገብር ኢና ክብል ሃገራዊ ክኢላ ሕክምና ሄንሪክ ኤል ሃንሰን ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ሃገረ ግሪንላንድ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ህጻናት፡ክውስኽ ከምዝተራእየን ለበዳ ካብ ዝጅምር ድማ፡ 1129 ሰባት ከም ዝተለኽፉ ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ጆን ሆፕኪንስ ሓቢሮም።

ኣብ ርእሲ ከተማ ግሪንላንድ፡ ኑክ፡ ሓደስቲ መምርሒታት ኮቪድ-19፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 13፡ ከም ዝተኣታተዉን ንምትእኽኻብ ብዝምልከት ድማ ክሳብ 20 ሰባት ጥራይ ክእከቡ ከምዝግባእን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ካፈተርያታትን ናይ ንግዲ ቦታታትን ድማ ማስክ ምኽዳን ተደንጊጉ ከምዘሎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com