Thursday , April 18 2024
Greece's Prime Minister Kyriakos Mitsotakis (AP Photo/Giannis Papanikos) XMV103

ግሪኽ: ነፈርቲ ኲናት ፈረንሳ: ትሽምት

ግሪኽ: ሽዱሽተ Rifale ዝተሰምያ ነፈርቲ ኲናት: ካብ ፈረንሳ ክትሽምት ዓብዪ ውዕል ምፍጻማ መንግስታት ኣቴንስን ፓሪስን ኣረጋጊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ግሪኽ: ኣቐድም ኣቢላ 18 ነፈርቲ ውግእ ፈረንሳ ሸሚታ ከም ዝነበረት ጸብጻባት የመልክቱ።

ሓቀኛ ናጽነት ኣውሮጳ: ክንፈጥር ብሓባር ንሰርሕ ኣሎና: ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ: ፍሎረንስ ፓርሊ: ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊጹ’ሎ። ብተመሳሳሊ: ግሪኽ ምስ ኣመሪካ: ዘለዋ ስምምዕ ምክልኻል: ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ንምንዋሕ ልዝብ ተካይድ ምህላዋ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ምክልኻል ዝኸተምናዮ ስምምዕ ኣብ ክንዲ ኣብ ዓመት ዓመት ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ከነሕድሶ ንላዘብ ኣሎና” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪኽ: ክሪያኮስ ሚትሶታኪስ: ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። እዚ ስምምዕ: ኣመሪካ ኣብ ግሪኽ ዘለዋ ወተሃደራዊ ህላዌ ከም ዝውስኽ ዝገብር እዩ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com