Thursday , April 25 2024
Swedish climate activist Greta Thunberg speaks during?a?three-day?Youth for Climate?summit in Milan, Italy, Tuesday, Sept. 28, 2021.(AP Photo/Luca Bruno) XBL126

ግሬታ ቱንባሪ፡ ኣብ ኣኼባ ክሊማዊ ብከላ ሚላኖ

ሽወደናዊት ኣክቲቪስት ክሊማዊ ብከላ፡ ግሬታ ቱንባሪ፡ እትርከበሉ ኣኼባ ሚኒስተራት ኣብ ከተማ ሚላኖ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ኣኼባ ቅድሚ እቲ ኣብ ግላስጎው፡ ስኮትላንድ፡ ዝካየድ ናይ UN ኮንፈረንስ ይሳለጥ ምህላዉ እውን ተመልኪቱ። ግሬታ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ብከላ ክሊማ ንሰላሳ ዓመታት ዓዘር ቆዘር፡ ካብ ምባል ሓሊፎም ትርጒም ዘለዎ ምንቅስቓስ ዘይምግባሮም ወቒሳ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተኻየደ፡ ኮንፈረስን ክሊማዊ ብከላ መንእሰያት፡ እውን ብዛዕባ ፖለቲከኛታት ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂባ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ግና እቶም ተሳተፍቲ ሚኒስተራት፡ ይውሓድ ይብዛሕ፡ ኣብዚ ጒዳይ ዝተወስዱ ስጒምቲታት ኣለዉ ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣብ ፋይናንሳዊት ከተማ ኢጣልያ፡ ሚላኖ፡ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ክሳብ ቀዳም ክቕጽል እዩ።

ግሬታ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ማርዮ ድራጊ፡ እውን ክትራኸብ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com