Wednesday , April 24 2024
Fredrik Sandberg/TT

ብግበረሽበራ እተኸሰሱ ሰለስተ ሰባት ናጻ ከም እተለቁ ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ሽወደን ግበረሽበራ ክትፍጽሙ ውዲት ኣሊምኩም ብዝብል ብኣኽባር ሕጊ እተኸሰሱ ሰለስተ ሰባት እኹል መርትዖ ኣይተረኽቦምን ብዝብል ናጻ ከም እተለቁ ተገሊጹ።

ኣኽባር ሕጊ ምስ ዳዕሽ ርክብ ከም ዘለዎም ዘመልክት ናይ ሞባይል መልእኽቲን ኣብ ኣባይቶም እተረኽበ ዝተፈላለየ ኬሚካላትን ከም መርትዖ ብምቅራብ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣሊሞም ብዝብል እዩ ከሲስዎም ጸኒሑ።

እንተኾነ ግና ነፍሲወከፍ እዚ መርትዖ ብጠበቓታት ከም ዘይእኹል ኮይኑ ብምፍሻሉ እዮም ክልቀቑ ተጌሮም ዘለዉ።

እንተኾነ ግና ኣኽባር ሕጊ Peer Lindkvist በቲ ዝተዋህበ ብይን ከም ዘይዓገበን እቶም ዘቕረቦም ጭብጢታት ኣዝዮም ኣእመንቲ ምንባሮምን ገሊጹ’ሎ።

እዞም ግብረሽበራዊ ውጥናት ናብ ትግባር ክሰጋገሩ ሒደት ግዜያት እዩ ተሪፍዎም ኔሩ። ተጌሮም እንተዝነብሩ ብዙሕ ህይወት ሰብ ምጠፍአ ኔሩ ድማ ኢሉ።

እዞም ሽዱሽተ ጥርጡራት ካብ ሃገራት ኡዝበኪስታንን ኪርጊስታንን ዝመጹ ኮይኖም ዝመጽእ 8 መጋቢት ናይ መወዳእታ ፍርዲ ክወሃቦም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com