Thursday , March 28 2024

ግብጺ ንኤ.ሕ (EU)ተወናውና- ግን ብኸመይ መገዲ፡ ንጹር ኣይኮነን

ንፖሊሲታት ስደተኛታት ብዚምልከት ኤ.ሕ (EU)ምስ ግብጺ ብዝያዳ ክትሰርሕ ትደሊ።

ይኹንምበር እንታይ ዓይነት ምትሕብባር ከም እተደልየ ንጹር ኣይኮነን። ግብጺ ነቶም ዝስጎጉ ስደተኛታት ወይ ናይ መርከብ ደለይቲ ዕቝባ ክትቅበል ብፍጹም ኣይትደልን እያ።

ናይ ኤ.ሕ ቀዋሚ ኣቦመንበር፡ ዶናልድ ታስክ፡ ዝሓለፈ ቀዳመሰንበት ንናይ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ በጺሑዎ ነይሩ፡ ነቲ ርክብ ድማ ኪቕጽሎ ድልየት ኣለዎ።

“መንግስቲ ግብጺ ከም ቀዳምነት ኣንጻር ንግዲ ሰባት ተቓሊሱ ነይሩ። ከም ውጽኢት ድማ ኣብዚ ዓመትዚ ካብ ግብጺ ናብ ኤውሮጳ ዘይሕጋዊ ጕዕዞ ኣይተራእየን።” ብምባል ታስክ ኣብቲ ዕድመ ናይቲ ኣብ ሳልስቡርግ ዚካየድ ርእሰ-ኣኼባ ጽሒፉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ሓድሽ ኣኼባ ኪካየድ እዩ፡ ዕላማኡ ድማ ንዝመጽእ ጥሪ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤ.ሕን ዓረባዊ ማሕበርን ኣብ ካይሮ ርእሰ-ኣኼባ ንምክያድ እዩ።

ብመሰረት ናይቲ ኣኼባ ማዕከን “ታስክን ኣል ሲሲን ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ኒውዮርክ ምስ ተራኸቡ፡ ታስክ ነዚ ሓሳብት’ዚ ከቕርቦ እዩ”።

ዘይተነጸረ ምትሕብባር

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመሰንበት ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ናይ ኦስትርያ ቻንስለር ሰባስያን ኩርዝ ንዝያዳ ምትሕብባር ይድግፎ እዩ።

ግብጺ እታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ምሳና ክትዛተ ድልውቲ ዝኾነት ሃገር እያ። ብቕዕቲ ከም እትኸውን እውን ሓቢራ። ካብ 2016 ጀሚሩ ነተን ናብ ኤርውሮጳ ዝኸዳ መራኽብ ደው ኣቢሎምወን፡ ይብል እቲ ናብ ናይ ሳልስቡር ኣኼባ ዝኸይድ ዘሎ ኩርዝ።

ስለዚ ነዚ ክንጥቀመሉ ኣሎና። እዚ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ስደት ንምብዳህ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ፡ ይብል ኩርዝ።

ይኹንምበር፡ እንታይ ተወሳኺ ምትሕብባር ከም ዚህሉ ንጹር ኣይኮነን። ንኣብነት ግብጺ ኣብ ዓዳ ናይ ስደተኛታት ካምቢ ኪህሉ ኣይትደልን እያ፡ ይብል ናይ ኦስትርያ ወኪል ዜና ንናይ ግብጺ ወጻኢ ጓዳይ ሚኒስተር ብምጥቃስ።

ነቲ ኣብ ሳልስቡርግ ዚካየድ ርእሰ-ኣኼባ ብዚምልከት ካብ ማዕከናት ኤ.ሕ ከም እተሓበረ፡ እቲ ሕብረት ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዚረኽቦም ስደተኛታት ሒዙ ናብ ግብጺ የረክብ ማለት ኣይኮነን። ከምኡውን ኪኸውን ኣይክእል እዩ።

ኣብ ምቕረሓ/ኣተዓዳድላ ዘሎ ጥርጠራ

ናይ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ስተፋን ሎፍቨን (S) ምስቶም ዚጠራጠሩ እዩ።

ኣነ ኣይኣመንኩሉን። እንታይ ቁምነገር ከም ዘለዎ ክሰምዕ እደሊ፡ ሰብ ስለ ኣኼባ ጥራይ ኢሉ ኪእከብ የብሉን፡ ብምባል ትማሊ ነቶም ናይ ሳልስቡርግ ጋዜጠኛታት ርእይቶኡ ሂቡ።

ንሱ፡ ሽሕኳ ኩርዝ ነቲ ናይቲ ጉዳይ ምዕዋት ዚጠራጠረሉ እንተ ኾነ፡ ኦስትርያ ግን ነቲ ኣብ መንጎ ኤ.ሕ ሃገራት ዚህሉ ናይ ሓባራዊ ኣተዓዳድላ ስደተኛታት ዚልከት ጉዳይ ክትደፍኣሉ ከም ዚግባእ ኣስሚሩሉ።

እቲ ቻንሰለር ከምቲ ሎፍቨን ዝበሎ ኪገብር ከም ዝኾነ ተመባጺዑ።

ከም ኣቦመንበር መጠን ነቲ ጉዳይ ኣብ ዛዕባ ክሕዞ እየ፡ ገለ ሃገራት እንተ ደልየንኦ፡ ይብል ኩርዝ ግን ከኣ ባዕሉውን ብዛዕባቲ ሓሳብ ዕቃበታት ኣለዎ።

ዝበዝሑ ብጾተይ እቲ ናይ ስደተኛታት ሕቶ ብምቅራሕ ዘይኮነስ ብናይ ዶባት ቍጽጽርን ከምኡውን ብናይ ትራንዚት ሃገራት ምትሕብባርን እዩ ዚፍታሕ፡ ይብል ኩርዝ ኣብ ሳልስቡርግ።

ብዙሓት ናይ ዶብ ፖሊስ

እቲ ርእሰ-ኣኼባ ሎሚ መዓልቲ ንውሽጣዊ ጸጥታን ናይ ዶባት ምክልኻልን ከምኡውን እቲ ንምሕያል ናይ ኤ.ሕ ሓለዋ ዶባትን ገማግምን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክሳዕ 10 000 ሰባት ምምዳብ ንኺህሉ ዚልምከት እማመ ኪዝቲ እዩ።

ብድሕርዚ እተን ዓባይ ብሪጣንያ መጋቢት 29-2019 ካብ ኤ.ሕ ምስ ወጸት ዝተርፋ 27 ሃገራት ብዛዕባ ብረክሲት ወይ ምውጻእ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤ.ሕ ኪመያየጣ እየን።

Wiktor Nummelin/TT

Lars Larsson/TT


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com