Thursday , April 18 2024

ግዚያዊ ሕጊ ለበዳ ኮሮና ግዚኡ ዘይሓለወ ተባሂሉ ይንቀፍ ።

መንግስቲ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ንምምካት ለበዳ ኮሮና ዝዉዕል ብመልኽዕ ርእይቶ ዝሓለፈ ሰሙን ዘቕረቦ ግዚያዊ ሕጊ ግዚኡ ዘይሓለወ ወይ ከኣ ደንጉዩ ዝቐረበ ሕጊ ምዃኑ ካብ ፖለቲከኛታት ክሳብ ሕክምናዊ ሞያተኛታት ዝርከብዎም ወገናት ነቐፌታ ኣቕሪቦም። እቲ ንመንግስቲ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ብቕዋም ሃገር ዘይተዋህብዎ ስልጣን ኣብዚ እዋን ለበዳ ንምጥቃም ዘኽእልዎ ዝተፈላለዩ ሕግታት ብባይቶ ሃገር ንምጽዳቕ ዘቕረቦ፣ እማመ ኩሉ ነገር ምስ ኮነ ሕጂ ምቕራቡ ንብዙሓት ኣፍ ዘረምጠጠ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ሽወደን ብመሰረት ሃገራዊ ሕጊ መንግስቲ ከም ምዕጻዉ ማእከላት ዕዳጋ መስመራት ባቡርን ካልኦት ዝመሳሰሉ ድንጋገታት ክድንግግ ስልጣን ስለዘይብሉ፣ ከምዚ ዘድልይ ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ ናብ ባይቶ ሽወደን ብግዚያዉነት ስልጣን ክሓትት ከምዝግደድ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com