Friday , March 29 2024

ግዳያት ጽልኢ ንዝኾኑ ስባት ንምሕጋዝ ጻዕርታት ይካየዱ።

ኣብ መወዳእታ’ዚ ዓመት ፖሊስ ሽወደንን በዓልመዚ ግዳያት ገበንን ጽልኢን ንብዱላት ንምሕጋዝ ሓድሽ ጥምረት ምጅማሮም ተገሊጹ።

በዓልቲ መዚ ገበን ጽልኢ ኤቫ ሶንድ ንሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ኣብዞም ገበናት ጽዑቕ መርመራ ብምክያድ እቲ ዝድለ ውጽኢት ንምርካብ ጻዕርታት ክነካይድ ኢና” ኢላ።

ብዙሓት ንናይ ጽልኢ ገበን ዝቃልዑ ሰባት ምስ ዝምልከቶም መንግስታውያን ሰብመዚ ክዘራረቡ ውሕስነት ኣይስምዖምን እዩ።

ከምዚ ዝበለ ምትሕብባር ንግዳያት እዚ ገበን ሓገዝን ድጋፍን ክህብ’ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com