Friday , April 26 2024

ግጥም ኣልጀርያ – ሴርራልዮን

ናይ ሎሚ ግጥም በታ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 19 ግዜ ዝተሳተፈትን 2 ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዘልዓለትን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብዘርኣይቶ ኒሕ ዝመልኦ ጸዋታ ብ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዓቢ ተፈታውነት ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያን ን ሳልሳይ ግዜኣ (1994,1996) ጥራይ ዝተሳፈት ሴርራልዮንን እዩ ተጀሚሩ ።
እዚ ግጥም ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝራኣናዮ ናይ ብቕዓትን ተሞክሮን ፍልልይ ኣልጀርያ ዝለዓለ ኢድ ክህልዋ ብዙሓት ዝገምትዎ እዩ።
እቲ ጸወታ ከም ትጽቢት ብዙሓት ብ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ እኮ እንተተብዓለለ ተኸላኸልትቲ ሃገራዊት ጋንታ ሴርልዮን ብ ዘፈጥርዎ ምውህሃድን ጥምረትን ን ኣጥቃዕቲ ኣልጀርያ ፍጹም ዕድል እዮም ከሊኦሞም።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ድጃመል በልማዲ ጸወታ 3 ነጥቢ ንምምዛዕ 5 ተጻወትቲ እኮ እንተቐየረ ዝትረኸበ ሽቶ ብዘይ ምንባሩ ውጽኢት ብ ናይ ሓባር ዓወት 0-0 ተዛዚሙ።
MAN OF THE MATCH
Mohamed Kamara. Seraleone
ወዲ ሳርቶ

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com