Friday , April 19 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ጎነጻዊ መጥቃዕቲታት ይውስኹ። ዝበዝሑ ግዳያት ከኣ ደቂተባዕትዮ እዮም ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ዓመት፥ ኣብ ሽወደን 116 ዝኾኑ ንሞት ምኽንያት ዝኾኑ ጎነጻዊ መጥቃዕቲታት ከም እተኻየዱ፥ ካብ ሃገራዊ ቆንስል
ምክልኻል ገበን–“ብሮ”–እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። እዚ ምስ ዓመተ 2021 እንክወዳደር፥ ብ ሰለስተ ዕጽፊ
ዝዓቢ እዩ። 93 ካብዞም ግዳያት ሰብኡት ወይ ድማ ኣወዳት ክኾኑ እንከለዉ፡ 23 ከኣ ደቀንስትዮ እየን። ዝበዝሑ ግዳያት፥
ዕድሜኦም ልዕሊ 18 ክኾኑ እንከለዉ፥ 8 ትሕቲ ዕድመ ከም ዘለዉዎም ጸብጻብ “ብሮ” ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፥
ብብረት ዝግበር ጎነጻዊ ሞት ምውሳኹ፡ ዘቤታዊ ጎነጽ ግና ምጒዳሉ እቲ ቆንስል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ዝበዝሐ ወሰኽ ጎነጽ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ተመዝጊቡ’ሎ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com