Saturday , April 20 2024
Credit: Jonas Ekströmer/TT

“ጎነጽን ዘርእዩ ሰባት ንምቕጻዕ ዝውዕሉ ኣገባባት ውጽኢታውያን ኣይኮኑን”–ኣቦመንበር ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ፍረድሪክ ሬንፌልት።

ኣብ ግጥም ኲዕሶ እግሪ፥ ጎነጽን ዘየድሊን ጠባይ ንዘርእዩ ሰባት ንምልላይ ዝውዕሉ ኣገባባት ውጽኢታውያን ከም ዘይኮኑ
ኣቦመንበር ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ከምኡ’ውን ቀ/ሚኒስተር ነበር ፍረድሪክ ሬይንፌልት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።
“ኣብ ስፖርት ኣብ ዝጸናሕኩለን 50 ዓመታት ከምዚ ብተደጋጋሚ ርእየ ኣለኹ” ዝበለ ሬይንፌልት ከምዚ ዝኣመሰለ ጎነጽ
እናወሰኸ ምምጽኡ ንብዙሓት ሰባት ይልክም ምህላዉ፥ ኣብ ጥቓኦም ደው ንዝበሉ ሰባት፥ ስድራቤታት፥ ተጻወትቲን ዳኛታትን
እውን ከረኻኽበሎም ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኣብ መንጎ ጋንታታት ኤኣይኬ ከምኡ’ውን ድዩርጋርደን ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ
ዝተኻየደ ግጥም ጎነጽ ምኽሳቱ ምኽንያት ብምግባር እዩ፡ እዚ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተኻዪዱ። ኣብቲ ግጥም ደገፍቲ ጋንታ “ኤኤኬ”
ተባራዒ ባእታ ብምድርባይን ናብ ሜዳ ብምእታውን ረብሻን ጎነጽን ብምፍጣሮም ጸወታ ክልተ ሳዕ ክቋረጽ ተጌሩ ምንባሩ ሬድዮ
ሽወደን ዘኪራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com