Thursday , April 25 2024
Janerik Henriksson/TT

 ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ስሙ ክቕየር ንዝብል ሕቶ ኮሚተ “ኣይፋል” መሊሱሉ። 

ቆንስል ኮሚተ ምስያም፡ ነቲ ስም ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ክቕየር ዝብል ሕቶ ኣይፋል ብምሃብ እቲ ጎደና ስሙ ሒዙ ክቕጽል ምውሳኑ ተገሊጹ። እቲ ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ኮይኑ በቲ ኤምባሲ ከም ዝጽዋዕ ዝፍለጥ እዩ። ግዮርቨልጋታን ስሙ ን ዩክሬይን ወይ ፕረሲደንት እት ሃገር ክብሪ ብዝህብ ካልእ ስም ክትካእ ኣለዎ ዝብል ህዝባዊን ፖለቲካዊን ጸቕጢ ነቲ ኮሚተ ምስያም በጺሕዎ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። 

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚተ ኦለ ዘተርበርግ ን ሬድዮ ሽወደን ሎካል P4 ኣብ ዝሃቦ መልሲ ርእሰ ከተማ ሽወደን ኣብ ምቕያር ኣስማት ዓቃባዊ ቅዋም ከም ዝጸንሓን ኣብ ሕጂ በጺሓ ናብ ከምዚ ዝበለ ውሳነ ክትበጽሕ ከም ዘይብላን ድሕሪ ምግላጽ ጥቓ እቲ ጎደና ዘሎ ፓርክ ስሙ ክቕየር ከም ዝኽእል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com