Thursday , March 28 2024

ጒጅለታት ጒሒላታት ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት 500 ቢልዮን ክሮነር ይረኽቡ ተባሂሉ።

ሽወደን እተሳተፈቶ ሓደ ኣውሮጳዊ መጽናዕቲ ጒጅለታት ጒሒላታት ንሰብመዚ ቀረጽ ብምፍርራህን ስርዓት ቫት ብምኽታርን ቢልዮናት ክሮነራት ዝግመት ማል ከም ዝረኽቡ ኣመልኪቱ።

35 ማዕከናት ዜና ኣውሮጳ እንተላይ ናይ ሽወደን Ekot ራድዮ ኣብቲ መጽናዕቲ ተሳቲፈን።

እዞም ጒጅለታት ጒሒላታት ኣብ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ንግድ ዝዋፈሩ ኮይኖም ኣብ ዶባት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እዮም እቲ ናይ ቫትን ምጥፍፋእ ቀረጽን ከም ዝፍጸም ዝገብሩ ዘለዉ ይብል እቲ ዳህሳስ።

“እዞም ናይ ምጥፍፋእ ስርሒታት ብኣዝዩ ልዕሉ ቅልጣፈ ዝፍጸሙ ኣብ ልዕሊ ምኳኖም ዘስዕብዎ ቊጠባዊ ክሳራ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ” ትብል ኣወሃሃዲት ቀረጽ IRS ክፍሊ ቀረጽ Alma Olufsdotter።

እቲ ዝጠፋፋእ ዘሎ ገንዘብ ልዕሉ 500 ቢልዮን ክሮነር ዝተገመተ ኮይኑ ኣብ ድጎማ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን እንተዝውዕል ዓብዪ ማሕበራዊ ድሕነት ክኸውን ምኸኣለ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com