Thursday , March 28 2024

ጓል ሽወደን …… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ቀዳማይ ክፋል

“ንነብሰይ ከም መማቕርቲ ሽወደን’የ ዝቖጽራ፡ ኣብ ስቶኮሎም ከማይ ትጽብቅ ሓበሻ ዘላ ኮይኑ ኣይስምዓንን! እንታይ እሞ—” ጌና ዕላላ ከይጀመረትለይ ከላ ብንብዓት ተነኽነኸት። ብመንገዲ ተንቓሳቓሲ ቴለፎን እያ ተላልያትኒ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ጋሻ ብምዃነይ፡ ቁጽሪ ተንቃሳቃሲ ቴሌፎነይ ብመንገዲ ጋዜጠኛ ናይ ዩቲብ ቻነል ራሄና ቲቪ ያሲን ዑመር(ቕጫ)፡ ብምሕታት እያ ክትረኽበኒ ክኢላ። መልክዓ’ኳ እንተዘይፈለጥክዎ፡ ብኣዛራርብኣ ግና
ብርግጽ ምልክዕቲ ክትከውን ኣለዋ በልኲ።
ታሪኽ ምስ ሰማዕኲ ግና፡ መልክዕ ብዘይ ቑም ነገር፡ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ከምዘይብሉ ክበርሃለይ ጀመረ፡ ብርግጽ ኣብ ሓደ እዋን ኣወዳት ለዋዊጣን ኣባኢሳን ክትከውን ትኽእል’ያ፡ ሎሚ ግና ዝርንዛሕ እናነብዐት ክትጸውየሉ ትውዕል ኣላ፡ ሓቐኛ ዛንታ ናይታ ንነብሳ ከም መቐረት ጽባቐ ሽወደን እትገልጻ ሰምሃር በየነ ምስ ሰማዕካ፡ ብዙሕ ኢኻ ትምሃር’ሞ፡ እቲ ግዜ ዝምሃራ ዛንትኣ ንምምስማዕ ተዳለዂ፡ ናይ መቐረት ሽወደን ሰምሃር በየነ—።
“ይገርመካ’ዩ ናተይ ነገር!” ብምባል’ያ ዕላል ጀሚራትለይ።
“ናብ ሃገረ ሽወደን ንምእታው ዝሓለፍክዎ ውረድ ደይብ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ። ካብ ኤርትራ ብመንገዲ ስግረ ዶብ እየ ናብ ሃገረ ሱዳን ወጺኤ፡ ብዙሓት ሰባት ከምቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ መንገዲ ስለ ዝሓለፉ፡ ክብደት ናይቲ ጉዕዞ ይርድኦም ይኸውን፡ ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ የእትየ ክሰግር ከለዂ ግና ሓደ ዕላማ ነይሩኒ፡ ሽግርን ድኽነትን ስድራይ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምዃድ ክፈትሕ እዩ ነይሩ ባህገይ። ነዚ ሰናይ ዕላማ ሒዘ’የ ካብታ ዝፈትዋ ሃገረይ ነቒለ። እዚ ዕላማ ኣብ ሸቶኡ ክበጽሕ ከም ሕሱም’የ ኣብ ኣምላኸይ ኣጻልየ—” ድምጻ ኣትሕት ኣቢላ መእተዊ ገበረትለይ።
“እሞ ከምሓሳብኪ ጸኒሕኪ’ዶ?” ንዝሰፍሐ ዕላል ባይታ ከፈትኲላ።’
“ታኣምር’ዩ! ኣብ ሃገረ ሱዳን ከም ሕሱም’የ ተንከባሊለ፡ ኩሉ ምንቅስቓስካ ብሓጉዙኒ’ዩ ዝካየድ፡ ነቲ ዝምክሓሉ መልክዕየ ካብዚ’የ ጀሚረዮ፡ ነቲ ሓደ ሓግዘኒ ነቲ ሓደ ደግፈኒ እናበልኲ፡ እዂል ገንዘብ’የ ዝረክብ ነይረ። በቓ ንዝተፈላለዩ ደቒ ተባዕትዩ እናሽካዕኲ ከም ደስታይ’የ ነቲ ሕሱም ናብራ ሱዳን ኣስተማቒረዮ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2010 ድማ ብመንገዲ ሊብያ፡ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝነቀልቚ—”
“ጓል ክንደይ ዓመት ነይርኪ?” ዕድሚኣ ክፈልጥ ደለዂ።
“ልክዕ ንምዃን ኣብቲ ሽዑ እዋን ጓል ዕስራን ክልተን ዓመት’የ ነይረ። ውዑይ ዕድመ ብምንባሩ፡ ጸገማት ሳህራን ማእከላይ ባሕርን ድምብርጽ ይብለኒ ኣይነበረን፡ ጥራይ ናብ ኤውሮጳ ይእተው’የ ዝብል ነይረ። ነቲ ጽምኢ ጥምየትን ከም ንቡር ወሲደ፡ ስልጥ ኢለ ዓዲ ሰብ ዝኣትወሉ እዋን ጥራይ’የ ዘቓምት ነይረ። ነቲ ዘይመነኽዎ ንእስነተይ ከማን ግዲ ዝገበርኲሉ ኣይመስልን፡ በቓ ዓዲ ሰብ ምእታው ጥራይ’ዩ ነይሩ ናተይ ሓሳብ—”
“ከመይ እሞ ነበረ እቲ ጉዕዞ?” ክብደት ናይቲ ጉዕዞ ንምስማዕ ተዳለዂ።
“ቐሊል ኣይኮነን! ገለ ሰባት ከም ቐሊል እዮም ዝወስድዎ፡ ክብደቱ ግና ዝፈተነ’ዩ ዝፍትኖ፡ ነዛ ርሑካ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኢኻ ትኸይድ፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይመውት ኢኻ ትብል፡ ግና ፍቃድ ኣምላኽ ኮይኑ፡ ብሰላም ናብ ሃገረ ኢጣልያ ኣቲና፡ ከም ባህገይ ሽወደን ስለ ዝነበረት ምርጫይን ፍትወተይን፡ ሶሊኸ ሶላሊኸ እየ ናብ ሽወደን በጺሐ፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ኮይኑ፡ ድማ ብሰላም ናብ ሃገረ ሽወድን ኣትየ—”
“ከመይ’ሞ ተቀቢላትኪ ሽወደን?” ትጽቢትን ክውንነትን ከመይ ከምዝተራኸበ ንምፍላጥ ተወከስክዋ።
“ከምቲ ዝበልኲኻ መዓት ሃደንቲ ደቒ ተባዕትዮ ስለ ዝነበሩ፡ ሻማ ሻማ ኢሎም’ዮም ተቀቢለሙኒ፡ ኣብቲ ፈለማ ከምንግስቲ’የ ከቢረ፡ ንመልክዐይን ፍቕረይን ዝደልዩ ደቒ ተባዕትዮ ክውሕዙኒ ብምጅማሮም፡ ተስፋይ በሪዂ ምስቲ ሓደ ተዘናጊዐ፡ ናብቲ ሓደ ክሰግር ምንም ግዜ ኣይነበረንን፡ ብላዕ ስተ’ዩ ነይሩ፡ ከይተረድኣኒ ብዘይሓደ ቑም
ነገር ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቑጺረ፡ ክዳውንቲ ቀያይርካ ናብትን ናብትን ምባል ኮይኑ ስርሐይ፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዘዕለልኲኻ፡ ጓል ዕስራን ክልተን ዓመት’የ ናብታ ሃገር ኣትየ፡ ክሳብ ዕስራን ኣርባዕተን ዝበጽሕ ድማ እቲ ግዜ ከመይ ከምዝኸደ ከማን ኣይተረድኣንን፡ ክልተ ዓመት ንብላሽ ኣሕለፈዮ፡ ግዜ እንተዘይተጠቐምካሉ፡ መወዳእታ ሒዙካ’ዩ ዝዕዘር፡ ኣነ ድማ ግዜ ገዲፉኒ ክኸይድ ብዓይነይ ተዓዚበ—”
“እንታይ መፍትሒ ድኣ ኣምጻኺ?” ዝወሰደቶ መፍትሒ እንተሎ ተወከስክዋ።
“ሓንሳብ ኣብ ሃለውሳ ኣንተኣቲኻ፡ መመሊስካ ኢኻ ትገድድ። ኣነ ድማ እናሓደርኲ’የ ክገድድ ጀሚረ—”
“ከመይ?” መጻኢኣ ስለ ዘሰከፈኒ፡ መጻኢኣ ክሰምዕ ተሃንጠዂ።

“ካብ ሓደ ወዲ ናብ ሓደ ወዲ ክናጠር፡ ቑም ነገር ዝብሃል ካባይ ክሃድም ጀሚሩ፡ ህይወት ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ክትኮነኒ ጀመረት፡ ሓደ ወዲ ምሳኻ ይጸንሕ፡ ነብስኻ ምስ ቀረበ ይሃድም፡ ነዛ ግዝያዊ ጥቕሚ’ዮም ዝቀርቡኻ፡ ኣነ ድማ ንእስነት ዕዳ ኮይኑኒ ምስኦም ሕጊግ ይብል፡ ግዜይ ድማ ምስኡ ይዕዘር። ክዳውንቲ ቐያይርካ ምውጻእ ጥራይ ኮይኑ ናተይ ስራሕ። ነገር ሕንፍሽፍሽ ክብል ብዓይነይ ተዓዚበ—”
“ግና— ኣብ መጀመርታ ዕላልኪ ድኻታት ስድራይ ንምሕጋዝ እየ ተሰዲደ ኢልክኒ ነይርኪ?” ምስ ዕላምኣ ከራኽባ ደለዂ።
“ድኻታት ስድራኺ’ዶ በልካ? እንድዒ ናተይ ነገርስ፡ እ እ እ—” ስድራ ትብል ቓል ምስ ተላዕለት፡ ብኽያታ ምቑጽጻር ስኢና ተነኽነኸት። ንዓይ’ውን ከብደይ በልዓትኒ። ዓቢ ዛንታ ክትነግረኒ ከምዝደለየት በርሃለይ። ብርግጽ’ውን ሕማቅ ስማዕ ሰማዕኲ።

ይቕጽል—-
ካልኣይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰምበት ተኸታተሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com