Thursday , March 28 2024

ጓል ሽወደን …… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ካልኣይን መወዳእታ ክፋል

“ከምቲ ዝበልኲኻ መዓት ሃደንቲ ደቒ ተባዕትዮ ስለ ዝነበሩ፡ ሻማ ሻማ ኢሎም’ዮም ተቀቢለሙኒ፡ ኣብቲ ፈለማ ከምንግስቲ’የ ከቢረ፡ ንመልክዐይን ፍቕረይን ዝደልዩ ደቒ ተባዕትዮ ክውሕዙኒ ብምጅማሮም፡ ተስፋይ በሪዂ ምስቲ ሓደ ተዘናጊዐ፡ ናብቲ ሓደ ክሰግር ምንም ግዜ ኣይነበረንን፡ ብላዕ ስተ’ዩ ነይሩ፡ ከይተረድኣኒ ብዘይሓደ ቑም
ነገር ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቑጺረ፡ ክዳውንቲ ቀያይርካ ናብትን ናብትን ምባል ኮይኑ ስርሐይ፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዘዕለልኲኻ፡ ጓል ዕስራን ክልተን ዓመት’የ ናብታ ሃገር ኣትየ፡ ክሳብ ዕስራን ኣርባዕተን ዝበጽሕ ድማ እቲ ግዜ ከመይ ከምዝኸደ ከማን ኣይተረድኣንን፡ ክልተ ዓመት ንብላሽ ኣሕለፈዮ፡ ግዜ እንተዘይተጠቐምካሉ፡ መወዳእታ ሒዙካ’ዩ ዝዕዘር፡ ኣነ ድማ ግዜ ገዲፉኒ ክኸይድ ብዓይነይ ተዓዚበ—”
“እንታይ መፍትሒ ድኣ ኣምጻኺ?” ዝወሰደቶ መፍትሒ እንተሎ ተወከስክዋ።
“ሓንሳብ ኣብ ሃለውሳ ኣንተኣቲኻ፡ መመሊስካ ኢኻ ትገድድ። ኣነ ድማ እናሓደርኲ’የ ክገድድ ጀሚረ—”
“ከመይ?” መጻኢኣ ስለ ዘሰከፈኒ፡ መጻኢኣ ክሰምዕ ተሃንጠዂ።
“ካብ ሓደ ወዲ ናብ ሓደ ወዲ ክናጠር፡ ቑም ነገር ዝብሃል ካባይ ክሃድም ጀሚሩ፡ ህይወት ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ክትኮነኒ ጀመረት፡ ሓደ ወዲ ምሳኻ ይጸንሕ፡ ነብስኻ ምስ ቀረበ ይሃድም፡ ነዛ ግዝያዊ ጥቕሚ’ዮም ዝቀርቡኻ፡
ኣነ ድማ ንእስነት ዕዳ ኮይኑኒ ምስኦም ሕጊግ ይብል፡ ግዜይ ድማ ምስኡ ይዕዘር። ክዳውንቲ ቐያይርካ ምውጻእ ጥራይ ኮይኑ ናተይ ስራሕ። ነገር ሕንፍሽፍሽ ክብል ብዓይነይ ተዓዚበ—”
“ግና— ኣብ መጀመርታ ዕላልኪ ድኻታት ስድራይ ንምሕጋዝ እየ ተሰዲደ ኢልክኒ ነይርኪ?” ምስ ዕላምኣ ከራኽባ ደለዂ።
“ድኻታት ስድራኺ’ዶ በልካ? እንድዒ ናተይ ነገርስ፡ እ እ እ—” ስድራ ትብል ቓል ምስ ተላዕለት፡ ብኽያታ ምቑጽጻር ስኢና ተነኽነኸት። ንዓይ’ውን ከብደይ በልዓትኒ። ዓቢ ዛንታ ክትነግረኒ ከምዝደለየት በርሃለይ። ብርግጽ’ውን ሕማቅ ስማዕ ሰማዕኲ።
“ክገርመካ ስድራይ ክሕግዝ ኢለ ናብ ስደት ከምዘይወፈርኲ፡ ናብራን ድኽነትን ስድራይ ረሲዔ ናብ ኬፋት’የ ከይደ፡ ኣወዳት ምቅይያር ስርሐይ ኢለ ተታሓሒዘዮ፡ ብፈይስ ቡክ ተላሊኻ ግዜ ከይወሰድካ ምዛር ኮይኑ ስርሐይ፡ እቲ ባህ ዝብለኒ ነገር ሓድሽ ክዳንን ወድን ጥራይ ኮይኑ፡ ካብ ዕላማይ ንድሕሪት ክብል ጀሚረ—” ብሓሳብ ንድሕሪት ተመሊሳ ተከዘት። ብወገነይ ናብ ዕላላ ክመልሳ ሕቶ ሓተትክዋ።
“ስራሕ’ከ ነይሩኪ’ዶ?” ብውሽጠይ ገለ ግምት ነበረኒ። ካብ ግምተይ ወጻኢ’ውን ኣይመለሰትን።
“ንስራሕ ዝኸውን ግዜ’ሞ ዘይሕሰብ’ዩ፡ ሙሉእ ለይቲ ክትሰቲ ሓዲርካ፡ ሙሉእ መዓልቲ ኢኻ ትድቕስ፡ ይትረፍ ንስራሕ ነዚ ንቡር ዝኾነ ምሳሕን ቑርስን ዝኸውን ግዜ ከማን የለን። መስተን ተጸባቢቕካ ምውጻእን ጥራይ ኮይኑ ናተይ ስራሕ፡ እቲ ዝበለጸ ሞያ ናይ ስርሐይ ድማ ምስ ኣወዳት ምዛር ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ቅድሚ ስራሕ ትምህርቲ ቛንቛን ናይቲ ሃገር ክትምሃር ኣለካ፡ ኣነ ግና ኣብ ሆይ ሆይ ስለ ዝነበርኲ፡ ነዚ ዝኸውን ዕድል
ኣይነበረንን” ነዊሕ ብምዝራባ ንሓጺር ዕረፍቲ ደው በለት፡ ነታ ዕድል ድማ ክጥቐመላ ወሰንኲ። “ንሓዳር’ከ ሓሲብኪ’ዶ ትፈልጢ?” ናብ ካልእ ሕቶ ኣስገርክዋ።
“ከመይ ገይረ! ኣብ ሕማቅ ህይወት እንድየ ነይረ፡ ክገርመካ ንሕና ደቒ ኣንስትዮ ሓንሳብ ሓንሳብ ኣስፊሕና ኣይንሓስብ ኢና። ሓደ ዮናታን ዝብሃል ለባም ሰብ፡ ኣብ ስተኮሎም ተላልየ ነይረ፡ ናይ ብሓቒ ዓቢ ሰብ’ዩ፡ ግና ናብትን ናብትን ክብል መትሓዚ ምስ ስኣነለይ፡ እናፈተወኒ ተፈልዩኒ፡ ካብኡ ብዙሕ ነገር ክኸስብ እናኽኣልኲ፡ በቓ ከሲረዮ፡ ኣነ’ኳ ድሓር ከምዝተረድኣኒ ሰይጣን ኣብ ውሽጠይ ኣትዩ ሰይ-ሰይ እዩ ዝብል ነይሩ፡ ደቒ ተባዕትዮ ብነብሶም መናዋት’ዮም፡ እቲ ሓደ ነብሰይ ይረኽበኒ ጽንሕ ኢሉ ድማ ይርሕቐኒ፡ ወረ ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክበጽሕ ግዜ ኣይወስድን’ዩ። ወረይ ናብ ኲሉ ሰብ በጺሑ መስሓቕ ሰብ ክገብረኒ ግዜ ኣይወሰደን፡ ሰባት ዓገብ ክብሉኒ’ኳ እንተፈተኑ፡ ተገልቢጠ ይስሕቖምን የናሽወሙን’የ ነይረ። ከምዚ እናበልኲ ከይተረድኣኒ ሽወደን ካብ ዝኣቱ ሸውዓተ ዓመት ኮይኑ ብዘይ ፍረ፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዘዕለልኲኻ፡ ጓል ዕስራን ክልተን ዓመት’የ ናብዚ ዓዲ ኣትየ፡ በዚ ድማ
ክሳብ ጓል ዕስራን ሽውዓተን ዓመት፡ ብዘይ ፍረ ሓንቲ ቅርሺ ከይሓዝኲ፡ ብላሽ ተሪፈ። ደለይተይ በብሓደ ክውሕዱ ጀሚሮም፡ ሰብ ክስእንን ደቒ ተባዕትዩ ካባይ ክርሕቑን ጀሚሮም፡ እቲ ብመቐረት ሽወደን እናበልኲ ዝምክሐሉ ዝነበርኲ መልክዐይ ክሃስስ ጀሚሩ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኲሉ ገዲፈ፡ ምስ ሓደ ዘይወዲ ሃገረይ ወዲ ናይጄራ ክምርዖ ይውስነልካ፡ ከም መደበይ ድማ ምስኡ ተመርዕየ—”

“ሓዳር’ሞ ከመይ ረኺብክዮ?” ኣብ ሓዳር ዘሎ ቑም ነገር ክፈልጥ ተሃንጠዂ።
“ናይ ኢደይ’የ ረኺበ፡ እቲ ወዲ ናይጄራ ድሕረይ ምስ ካልኦት ኣዋልድ ክዘውር ጀሚሩ፡ እታ ኣነ ዝገብራ ዝነበርኲ ብልክዕ ክገብራ ጀሚሩ፡ ብህይወት እንከለዂ ዋጋ ሸባዕባዐይ ክረክብ ብዓይነይ ተዓዚበ፡ ካብኡ ድቒ ብምሓዘይ ክጽመም’ኳ እንተፈተንኲ ምኻን ኣብዩኒ፡ ቖልዓ ምስ ተወልደ ነዛ ዓለም በየን ከምዝጥርንፋ ምኽኣላ ስኢነ ከም ኣፍ ዑንቒ ጽብብ በለትኒ፡ ዝብሎ ጠፍኣኒ፡ እንታይ ከምዝገብር’ውን ሕርብት’ዩ ኢሉኒ፡ ኣብ መወዳኣታ ጠንጢኑኒ
ተዓዚሩ። ብሰንኪ ሕማቕ ባህርያተይ ምስ ሰባት ይቐርብ ብዘይምንባረይ ሰብ ዝብሃል ስኢነ፡ ገንዘብ ዝብሃል ተሳኢኒ፡ ናብ ለማኒት ተቐይረ፡ ካብቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ክልቓሕ ዓቕለይ ጸቢቡኒ። ገንዘብ ኣብ እዋኑ እንተዘይሒዝካዮ ጸገም’ዩ። ኣነ ድማ ንገንዘብ ከም ወረቐት ይርእዮ ከምዘይነበርኲ፡ ምስ ደለኽዎ ህልም ኢሉ ጠፊኡ—” ብንብዓት ተለኽነኸት፡ ኣብቲ ክምለስ ዘይክእል ግዜኣ፡ ካልእ ግዜ ክትፈጥር ደለየት። ግዜ ግና ሓንሳብ ምስ ከደ ዘይምለስ ኮይንዋ፡ ብንብዓት ጣዕስኣ ገለጸት።
“ድሃይ ስድራኺ’ኸ?” ኣንፈት ዕላልና ቐየርክዎ።
“ኣሕ! ስድራይ’ሞ ጠቕሊለ እንድየ ረሲዐዮም፡ ማስጥኦም እንድዩ ድኣ ወሪዱኒ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ስደት ነዊሕ ዓመት ገይረ፡ ሓንቲ መዓልቲ’ኳ ሓጊዘዮም ኣይፈልጥን፡ ብዓቢኡ ነብሰይ ዘይሓገዝኲ ከመይ ገይረ ስድራይ ክሕግዝ ትጽበየኒ—” እስትንፋሳ ቑርጽርጽ በለ።
“መወዳእትኡ`ኸ?” ዘላቶ ኲነታት ክፈልጥ ትሃወኽኲ።
“ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጓል ሰላሳን ክልተን ዓመት’የ ዘለዂ፡ ድሮ ኣብ ስደት ዓሰርተ ዓመት ገይረ ኣለዂ፡ ንፈውሲ ማሕላ’ኳ ጥር ትብል ቅርሺ የብለይን፡ እቲ ዝምክሓሉ መልክዐይ ሎሚ የለን፡ ሓደ ሰብ ብስርሑ’ዩ ዝኸብር፡ ኣነ ድማ ወይ ሞያ ሒዘ ወይ ነብሰይ ኣዕብየ ካብ ኲሉ ላንጋ ላንጋ ብምትራፍ ነብሰይ ሃስየ—”
“ሕጂ’ውን ዕድል ኣለኪ—” ተስፋ ንምሃብ ዝጀመርክዎ ዘረባ ኮሊፋ፡ ንብዓት ጸረር እናበለት ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ።
“ሓቕኻ! ሕጂ’ውን ዕድል ኣለኒ፡ ግና—-” ዘረብኣ ኮሊፋ ስቕ በለት።
“ኣብዚ ሕጂ እዋን ተሰካሚት ኤች ኣይ ቪ እየ። እዚ ድማ ብሰንኪ ጸገመይ ዘምጻኽዎ’ዩ፡ ሕጂ ግና እቲ ዝምክሓሉ ጽባቐይ የለን፡ ሰብ ካባይ ዝሃድም ዘሎ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡ ስድራይ ዘለኽዎ ኲነታት እናሰምዑ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ይርድኣኒ’ዩ፡ ሓደ ሰብ ዘጸብቕሉን ዘኽፍኣሉን እንተዘይፈሊጡ መወዳእታኡ እዚ ናተይ’ዩ። ንእስነት’ኳ ዘይምኖ እንተኾነ፡ ውጻኢቱ ግና እዚ ናተይ’ዩ፡ መንእሰያት ካባይ ይምሃሩ። ንሕጂ ይኣኽለኒ—” ንብዓታ ምቑጽጻር ሰል ዝስኣነት ዘረብኣ ኮሊፋ፡ ስቕ በለት። ነዛ ጽባሕ ዘየላ ነብስና ብጥንቓቐ እንተዘይሒዝናያ ውጻኢቱ ከቢድ ምዃኑ፡ ካብዛ ሓፍትና ትምሃር። “መቐረት ሽወደን” እናበለት ትገልጽ ዝነበረት እዛ መንእሰይ፡ ሎሚ ነብሳ ተደዊኑ ካብ መቐረት ሽወደን ሃዲማ ንብሕታ ትነብር ኣላ። እቶም ምስኣ ዝተሳለዩ ኣወዳት ምስኣ ስለ ዘየለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com