Friday , March 29 2024
Adam Ihse / TT

ጓል 21 ዓመት Elin ቤትፍርዲ ጉተንበርግ ን2 ሰሙን ክትእሰርን 3000 ክሮነር ፈሪዱ’ሎ።

ኣውራጃዊ ቤትፍርዲ ጉተንበርግ ሓንቲ ኣክቲቪስት ምስጓጒ ኣፍጋናዊ ሓታቲ ዕቚባ ካብ ሽወደን ኣብ ዝስጐጐሉ በረራ ኣብ ነፋሪት ኮፍ ኣይብልን እየ ኢላ ብምእዳማ ከም ዝቐጽዓ ተፈሊጡ።

ጓል 21 ዓመት Elin Ersson ብወርሒ ሓምለ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ጉተንበርግ ንበረራ ኣብ ዝተዳለወት መንገዲ ኣየር ቱርኪ ናይዚ ሰብኣይ ምስጓጒ ፍርዲ ሞት እዩ ብምባል ኮፍ ምባል ብምእባያ እያ ብቤትፍርዲ ተቐጺዓ።

በዚ ዝገበረቶ ምእዳም ድማ ካፕቴን እታ ነፋሪት ንሳን እቲ ሓታቲ ዕቚባን ካብ ነፋሪት ክወርዱ ኣዚዙ ኔሩ።

ይዂን’ምበር እዚ ተግባራት ነቲ ምስጓጒ እኳ እንተደናጐዮ እቲ 52 ዝዕድሚኡ ኣፍጋናዊ መወዳእትኡ ናብ ዓዱ ተሰጒጉ እዩ።

ኣኽባር ሕጊ Ersson በዚ ተግባራታ ንኽልተ ሰሙን ክትእሰር ፈሪዱ’ሎ። “እዚ ገበን ኣዝዩ ዓቢ እኳ እንተኾነ ካብዚ ተመጣጣኒ መቕጻዕቲ ረኺባ’ላ ኢና ብንል” ኢሉ።

Ersson ትእዛዝ ካፕቴን ብዘይምስማዓ 3,000 ክሮነር ተወሳኺ መቕጻዕቲ ክትከፍል ተበዪኑላ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com