Wednesday , April 24 2024
TT

ጓሎም ብጥምየት ብምስቓዮም ተፈሪዶም።

እቲ ብዙሕ ናይ ሚድያ ምልዕዓል ፈጢሩ ዝጸንሐ ጒዳይ ናይዞም ጓሎም ብጥምየት ብምስቓይ እተኸሱ ወለዲ ሎሚ ፍርዲ ተዋሂብዎ።

እቶም ወለዲ ኣብ ልዕሊ 2 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሎም ከምዚ ዝበለ ናይ ጥምየት ገበን ብምፍጻሞም ንሰለሰተ ኣዋርሕ ክእሰሩ ተበይንሎም ኣሎ።

እንተኾነ ድሮ ካብ ዝኽሰሱ ጀሚሮም ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ብምጽናሖም 60 ሽሕ ክሮነር ካሕሳ ነታ ህጻን ክኸፍሉ ተቐጺዖም ኣለዉ።

ዳኛ Per Norden እዚ “ንህይወት ህጻን ዋጋን ክብሪን ዘይምሃብ” እዩ ክትብል ገሊጻቶ።

እታ ህጻን ኣብ ወርሒ ለካቲት ብምኽንያት ዓጸቦ ኣይ ምውትቲ ኣይ ስርርቲ ኮይና ናብ ሆስፒታል ምእታዋ’ውን ሓካይም ቆልዑ ንግስቲ ሲልቪያ ሓቢሮም።

ወለዳ ጓልና ብሰንኪ ሕማም ጨጐራ እምበር ብጥምየት ኣይኮነትን ከምኡ ኮይና ክብሉ ነቲ ክሲ ከም ዘይቅበልዎ ገሊጾም ኔሮም።

ደያኑ ግና እታ ህጻን ኣብ ትሕቲ ክንክን ሕክምና ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ጥዕናኣ ተመሓይሹ ክብደት ምውሳኻ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ኣራጒዶሞ ኣለዉ።

እቶም ወለዲ ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ንኽተል ኣሎና ብዝብል ቊንጣሮ መግቢ ጥራይ ይህብዋ ምንባሮም እዩ ተገሊጹ።

እቲ ቤትፍርዲ እታ ህጻን ኣብ ትሕቲ ክንክን ክትጸንሕ ምውሳኑ’ውን ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com