Thursday , April 25 2024
In this image taken from a video, Anthony AJ Elfalak drinks water in a creek bed in Putty (New south wales police force AP)

ጠፊኡ ዝቐነየ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን፡ ኣብ በረኻታት ኣውስትራልያ፡ ተረኺቡ

ንሰለስተ መዓልታት ጠፊኡ ዝነበረ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን፡ ኣብ በረኻታት ኣውስትራልያ ተረኺቡ ክብላ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ብታሕጓስ ከምዘቃላሓ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሲድኒ ዝነብር ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን፡ ብዓርቢ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ካብ ገዝኡ ከምዝወጸ ስድራቤቱ ሓቢሮም። ነዚ ህጻን ንምርካብ፡ ቤተሰቡ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከምኡ ውን ፖሊስን ሓምበስትን ኣባላት ህጹጽ ረዲኤትን ካልኦትን ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ከምዝቐነዩ ተፈሊጡ።

እዚ ሕማም ኦቲዝም ዘለዎ፡ ኣንቶኒ ኤይ ጀይ ኢልፋላክ፡ ዝተባህለ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከባቢ ሰዓት 11 በቆጻጽራ ኣውስትራልያ፡ በታ ኣብ መስርሕ ምድላይ’ቲ ህጻን ተዋፊራ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ከምዝተራእየ (ከምዝተረኽበ) ተሓቢሩ። ኣብታ ህሞት፡ እቲ ህጻን፡ ካብ ሓደ ዑቃር፡ ማይ እንዳሰተየ እንከሎ፡ ብካሜራ ናይታ ሄሊኮፕተር ከምዝተረኽበን እታ ቪድዮ ድማ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተዘርጊሓ ከምዘላን ዝተረኽቡ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

ብድሕሪ’ዚ እቲ ህጻን፡ ጥዕናዊ መርመራታት ንኽግበረሉ፡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደን፡ እቶም ኣባላት ሕክምና ድማ፡ እቲ ቆልዓ ብጀካ ናይ ምውዳቕን ናይ ኣግራብን ኢሾኽን ልሕጻጽ (ህራም) ከምኡ ውን ብሰንኪ እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኸደኖ ዳይፐር ዘስዓቦ ቁስሊ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ መጉዳእቲ ከምዘይብሉ ገሊጾም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ፡ ኤይ ጀይ፡ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ ኣሎ። እቶም ኣብቲ መስርሕ ፈተሻ ዝተሳተፉ ሰባት ድማ፡ መርመራ ኮቪድ ንኽገብሩን ክሳብ ውጽኢት መርመራ ዝመጾም ድማ ኣብ ገዝኦም ተወሺቦም ንኽጸንሑ ተሓቢርዎም ኣሎ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com