Thursday , April 25 2024
Taliban spokesman Zabihullah Mujahid introduced members of the extremist movement's "government" at a press conference in Afghanistan's capital Kabul on Tuesday. (AP Photo/Muhammad Farooq) XRG117

ጣሊባን: ንኣፍጋኒስታን ክመርሑ እዮም

ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ጣሊባን ተኣዊጁ ኣሎ። በዚ መሰረት ሙላ መሓመድ ሓሰን ኣኹንድ ሓድሽ መራሒ እዚ ውሽጣዊ ምምሕዳር ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ። እዚ ሰብ ብ FBI ብጠርጠራ ሽበራ ከም ዝድለ ዝፍለጥ እዩ።

ብመሰረት ኣብቲ ኣጋጣሚ እተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ መንግስቲ ግዜያዊ ኮይኑ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሕጊ ሻሪዓ ከስፍን እዩ።

ኣካላት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዕላዊ ምስ ተገብረ ስቱር ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን ሕዝቦላህ ኣኹንድዛር ብእንግሊዝኛ መገለጺ ሂቡ’ሎ።

“ኲሎም ሓርበኛታትን ዜጋታትን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሕጊ ሸሪዓ ንክኽበር ክጽዕሩ ምዃኖም ከረጋግጸሎም እደሊ” ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ግዜያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝብል መዝነት እተዋህቦ ኣኹንድ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፍሉጥ ስም ምዃኑ ይንገር። ንሱ ነቲ ናይ ጣሊባን ወሳኒ ቆንስል ንዓመታት ዝመርሐ ኮይኑ ጣሊባን ኣብ ካንዳሃር ንኽምስረት ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ እዩ ክብል ዘ ታይምስ ኦቭ ኢንዲያ ኣተባህለ ጋዜጣ ይሕብር።

ብመሰረት UN ኣኹንድ ሓደ ካብቶም ውጽኢታውያን መራሕቲ ጣሊባን እዩ።

ላዕለዋይ መራሒ ሙላ ሃይባቱላህ ኣኹንዳዛ ባዕሉ ነዚ መዝነት ከም ዝረቚሖ ድማ ይግለጽ።

ነቲ ተፈራሒን ሓቓኒ እተባህለ ዝጽዋዕን መርበብ ሽበራ ብምምራሕ ዝፍለጥ ሲራጁዲን ሓቓኒ ድማ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ክኸውን እዩ። ኣመሪካ ንሓቓኒ ኣብ ዘለዎ ዝሓበረ ናይ 40 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com