Thursday , March 28 2024
Foto: Johan Nilsson/TT

ጥሪን ለካቲትን ቈረርቲ ኣዋርሕ ክኾና እየን ተባሂሉ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ምስ ዛሕሊ ዝተኣሳሰረ ምድልሃጽ ተሽከርከርቲ ክህሉ ከም ዝኽእል’ውን ተገሚቱ’ሎ።

ትካል ሜትሮሎጂ ዴንማርክ ዲኤም ኣይ ኣብ መጋቢት ጸሓይ ክትወጽእ ምዃና ብዘተኣማምን ደረጃ ግና ሚያዝያ ክትክሰት ምዃና ገሊጹ’ሎ።

መፋርቕ ወርሓ ጥሪ ኣብ መላእ ሽወደን ትሕቲ ባዶ ክልተ ዲግሪ ሴልሴስ ኣስሓይታ ክረአ ምዃኑ ኣብ ወጋሕታን ምሽትን ዛሕሉ ክረአ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ካብዚ ወጻኢ ዝተፈልየ ኲነታት ኣየር ኣይክህሉን እዩ ይብል ጸብጻብ ዲኤምኣይ።

ዴንማርካዊ ትካል ሜትሮሎጂ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዝዝርጋሕ ትንበያ ኲነታት ኣየር ብምግባር ይፍለጥ።

እዚ ትንበያ ቅድሚ ሒደት መዓልታት እዩ ወጺኡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com