Thursday , April 25 2024
Fredrik Sandberg / TT

ጥሪ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታት ብሪጣንያ ሽወደናዊ ዜግነት ዝሓተቱላ ወርሒ ኮይና ከም ዝሓለፈት ተገሊጹ፡

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 471 ዜጋታት ብሪጣንያ ሽወደናዊ ዜግነት ሓቲቶም ኣለዉ።

ሕቶ ሽወደናዊ ዜግነት ብሪጣንያውያን ክንህር ዝጀመረ ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትስሕብ ምዃና ብዕሊ ካብ ዝኣወጀትሉ ዓመተ 2016 እኳ እንተኾነ ክንዲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ በጺሒ ከም ዘይፈልጥ እዩ ዝሕበር ዘሎም ሽወደናዊ ዜግነት ንኽወሃቦም ዝሓቱ ዘለዉ ብሪጣንያወያን ከም ዘይስካንዲናቫውያን ዜጋታት መጠን ከማልእዎ ዝግብኦም ቅጥዕታት ከቕርቡ ክሕተቱ እዮም።

እዚ ማለት ኣመልካቲ ብውሑዱ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሽወደን እተቐመጠ ክኸውን፥ ምስ ሽወደናዊት ዜጋ እተመርዓወ ወይ ምስኣ ዝነበር እንተኾይኑ ድማ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ከመልክት ይኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com