Friday , March 29 2024
Anders Wiklund/TT

ጥሪ 16 ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ክግበር እዩ።

ቀጻላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን መን’ዩ ክኸውን?

ብመሰረት ኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርለን ጥሪ 16 ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ክግበር እዩ። ኣንድርያስ ኖርለን ነዚ ዘፍለጥ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ።

ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ ኣንድርያስ ኖርለን እዚ ባህ እናበሎ ዝሃቦ መግለጺ ዘይምዃኑ ገሊጹ።

” እዚ ነገር ቅድሚ በዓል ልደት ክዛዘም ኔርዎ፡ እዚ ብዘይምዃኑ ግሁይ እየ። ሽወደን ሓድሽ መንግስቲ የድልያሎ” ኢሉ።

ዝሓለፋ ሳምንታት ኲሎም መራሕቲ ሰልፊታት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዝግበር ምሃብ ድምጺ ፍረ ኣልቦ ከም ዝኸውን ነጊሮሞ ኔሮም’ዮም።

ነዘን ሰልፊታት ጸቓጢ ንምግባር ኖርለን ናይ ራብዓይ ምርጫ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዕላዊ ጌሩ ኔሩ። ሓድሽ ምርጫ ንምክያድ ዝሰዓቦም ስጒምቲታት እውን ብዝርዝር ገሊጹሎም።

እዚ ናይ 16 ጥሪ ድምጺ ቀዳማይ ሚኒስተር እንድሕር ኣብ ምምጻእ ፈሺሉ እቲ ዝቕጽል ምሃብ ድምጺ ካብኣ ድሕሪ ሰሙን ብ 23 ጥሪ እያ ክትካየድ።

ክሳብ ሽዑ ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር እንድሕሪ ዘይተመሪጹ ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ሓድሽ ምርጫ ክካየድ ከድሊ እዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስት ወርሒ እንተደንጐየ ሰንበት 21 ሚያዝያ እዩ ክካየድ።

ኲሎም መራሕቲ ሰልፊ ቀጻልነት እዚ መስርሕ ኣብ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም።

እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ግና ኣብ ክልተ ሰባት ዝዓረፈ እዩ። እዞም ሰባት መራሕቲ ሰልፊ ክኾኑ ዝደልዩ ኮይኖም መራሕ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ስቴቫን ሎቭፈን ከሙኡውን መራሒ ለዘብተኛ ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልቭ ክሪስተርሰን እዮም” ብምባል ኖርለን ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com