Thursday , April 25 2024

ጥርጡር ቀታል ጋዜጠኛ ናብ ሃገሩ ይጥረዝ

20 ዓመት ዝዕድመኡ ዓማጽን ቀታልን ጋዜጠኛ ቲቪ ቡልጋርያ ቪክቶርያ ማሪኖቫ፡ ካብ ጀርመን ናብ ቡልጋርያ ተጠሪዙ።

እታ 30 ዓመት ዝዕድመኣ ማሪኖቫ፡ ጥቅምቲ 6 ኣብ ናይ ቡልጋርያ ከተማ ሩሰ፡ ኣብ ሓደ መገዲ፡ ጥቓ ወሓዚ እያ ሞይታ ተረኺባ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ እቲ ጥርጡር ኣብ ጀርመን ተታሒዙ።

እቲ ቅትለት ምስ ሞያ ማሪኖቫ ወይ ምስ ካልእ ነገራት ምትእስሳሩ ርጉጽ ኣይኮነን።

እቲ ጥርጡር ንማሪኖቫ ከም ዝሃረማ ደኣምበር ከም ዝዓመጻን ከም ዝቐተላን ኣይተኣመነን። ኪቐትላ እውን መደብ ከም ዘይነበሮ ይገልጽ።

ናይ ቡልጋሪያ ኣኽባር ሕጊ፡ እቲ ነቲ ጥርጡር ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ኣዚዩ ድልዱል ምዃኑ ይሕብር።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com