Thursday , March 28 2024
Pope Francis shakes hands with Hungarian Prime Minister Viktor Orbán during his visit to Budapest. (Vatican Media via AP) AJM125

ጳጳስ፡ ብዝገበሮ ሓጺር ምብጻሕ፡ የዕሩኽ ኦርባን፡ ተቖጢዖም

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ፡ ቪክቶር ኦርባን፡ ኣብ ቡዳፔስት ተራኺቦም። እዚ ኣብ ዕጹው ማዕጾ እተኻየደ ሓጺር ርክብ፡ ብዙሕ ጒዳያት ማእከል ዝገበረ ምንባሩ እኳ እንተተገልጸ፡ ዝርዝራቱ ግን ኣይወጸን ዘሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኡርባን፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ሓደ ንክርስትያን ኣውሮጳ ካብ ስደተኛታት ንምክልኻል ዝቖመ ሰብ ጌሩ እዩ ዝርእያ። እቲ ጳጳስ ብወገኑ ኲሎም ካብ ድኽነትን ወጽዓን ሃዲሞም ዝመጹ ሰባት፡ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ፡ ሓገዝ ክረኽቡ ኣለዎም እዩ ዝብል።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ንኡርባን ዝድግፉ ሚድያታትን ፖለቲከኛታትን፡ እቲ ጳጳስ “ጸረ-ክርስትያን” እዩ ካብ ምባል ሓሊፈን ምስቲ ሃንጋርያዊ መበቆል ዘለዎ ኣመሪካዊ ቢልዬነር፡ ጆርጅ ሶሮስ፡ ናይ ረብሓ ዝምድና ከም ዘለዎ ክኸሳ ጸኒሐን ኣለዋ። እዚ ቢልዮነር፡ ጠንቂ ናይ ኹሎም ኣብ ኤውሮፓ ዝረኣዩ ናይ ሕሉፍ የማናውን ምንዓባት፡ ኮይኑ ከም ዝልለ እዩ ዝግለጽ።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ናብ ስሎቫክያ ቅድሚ ምጒዓዙ ኣብ ቅዳሴ ክሳተፍ እዩ። ኣብ ሃንጋሪ ሸውዓተ ሰዓታት ጥራይ ጸኒሑ ኣብ ስሎቫክያ ናይ ክልተ መዓልታ ምብጻሕ ክገብር ምህቃኑ ግና ንደገፍቲ ኦርባን ኣቖጢዑ’ሎ። እዚ ኮነ ኢሉ ንሃንጋሪ ንምሕፋር ዝገበሮ እዩ ክብል ሓደ ተንታኒ ዜና ንተሌቪዥን እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com