Friday , April 19 2024

ጳጳስ ፍራንሲስ ብረኽሲ ምስትንፋስ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም።

ጳጳስ ፍራንሲስ ረኽሲ መስተንፈሲ ከም ዘጋጠሞን ብሰንኪዚ ድማ ንሒደት መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ሮማ ክጸንሕ ምዃኑ ቫቲካን
ኣፍሊጣ። 86 ዝዕድሜኡ ጳጳስ ፍራንሲስ ካብ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ከም ዘጓነፎ፡ እንተኾነ ግና እዚ
ጸገም ምስ ኮቪድ ዘራኽብ ከም ዘይብሉን “ናይ ሒደት መዓልታት ሕክምናዊ ክንክን” ከም ዘድልዮን፥ እቲ ካብ ቫቲካን ዝወጸ
ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።.
"ጳጳስ ፍራንሲስ ነዚ ኣመልኪቱ ይመጾ ብዘሎ ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲታት ልቡ ከም እተተንከፈ፡ ነቶም ብጸሎት ዝሓለዩሉ
ኸኣ ዓሚቚ ምስጋና ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ”–ብመሰረት ቫቲካን።
እዚ ግዜ ን ጳጳስ ፍራንሲሲ እቲ ብስራሕ ዝውጠረሉ ወቕቲ ምንባሩ ዝገለጸት ሬድዮ ቢቢሲ ብዙሓት በዓልታትን ኣገልግሎታትን
ቅድሚ ፋስጋ ኣብ ዘሎ ቀዳመ ሰንበት ክከናወን ተሰሪዑ ምህላዉ ወሲኻ ኣረዲኣ። ብዘይካዚ ኣብ ምውዳእ ሚያዝያ ጳጳስ
ፍራንሲስ ናብ ሃንጋሪ ክበጽሕ ፕሮግራም ሒዙ’ሎ።
ትማል ረቡዕ ንግሆ ኣብ “ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ” ምስ ተኣከብቲ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ጽቡቕ መንፈስ እኳ እንተነበረ፡ ናብ
መኪናኡ እንክኣቱ ግና ኣብ ገጹ ናይ ቃንዛ ምልክት ተራእዩ እዩ። ቫቲካን ኣብ ፈለማ፡ ጳጳስ ፍራንሲሲ ኣቐዲሙ መዲብዎ ዝጸንሐ
ቆጸራ ስለዝነበሮ ናብ ሆስፒታል ምኻዱ እኳ እንተገለጸት፡ ምስ ተኤቪዥን ክገብሮ ተሓሲቡ ዝነበረ ቃለመሕትት ብሓጺር መልእኽቲ
ስለእተቛረጸ፡ መራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ ነዚ ሓበሬታ ከም ዘይተቐበላኦ ቢቢሲ ወሲኻ ጸብጺባ።
ነዚ ዜና ዝሰምዐ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፥ ጳጳስ ፍራንሲሲ ሓውዮም ናብ ስርሖም ንኽምለሱ ኲሉ ምእመን ኣብ ጸሎቱ
ክዝክሮም ተማሕጺኑ’ሎ።
ጆ ባይደን ድሕሪ ጆን ኤፍ ኬኔዲ እቲ እንኮ ካቶሊክ ፕረሲደንት ኣመሪካ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com