Friday , March 29 2024
Pope Francis attends a ceremony at the Karatepe refugee camp, on the northeastern Aegean island of Lesbos, Greece (Louisa Gouliamaki/Pool via AP) ATH122

ጳጳስ ፍራንሲስ: ንኣታሕዛ ስደተኛታት ኣውሮጳ: ኮኒኑ 

ጳጳስ ፍራንሲስ: ነቲ ኣውሮጳውያን: ንስደተኛታት ብሕማቕ ክኣልዩ ዝገብርን እናሳዕረረ ዝመጽእ ዘሎን ጸቢብ ውልቃዊ ረብሓን ሃገራውነትን ኮኒኑ። ንሱ ኣብ ደሴታት ሌዝቦስ: ግሪኽ: ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ሸለልትነት ምስ ምጥሓል መርከብ ስደተኛታት ብምምስሳል: ሓደገኛ ተርእዮ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ጳጳስ ፍራንሲስ: ንደሴታት ሌዝቦስ ኣብ 2016 እውን በጺሑ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ ዓመትቲ: ደሴታት ሌዝቦስ: ቀንዲ መተሓላለፊ ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ስደተኛታት ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። ካብቲ ግዜ’ቲ ንደሓር: ኣብ ኣታሕዛ ስደተኛታት ዝኾነ ምምሕያሽ ዘይምህላዉ ዘሕዝን ምዃኑ እውን ገሊጹ።

ቊጽሪ ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክሳገሩ ዝደልዩ ስደተኛታት እናወሰኽ ምምጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com