Thursday , April 25 2024

ጸሊም ነጠብጣብ ዘለዎ በናና ብሉጽ’ዩ ተባሂሉ

ኣብ በናና ጸሊም ነጥቢ ወይ መለግለግ ዝብል ነገር ክሪኡ ከለዉ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ
ዝዀነ ዝመስሎም ውሑዳት ኣይኰኑን።ይኹን እምበር በናና ጸሊም ነጠብጣብ
ክገብር ከሎ፡ ጽቡቕ ከምዝበሰለን ንኽብላዕድሉው ምዃኑን ዘመልክት እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ዩኒቨርስቲዀርኒል ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ መኣዛዊ
ትሕዝቶ በናና በዞም ጸለምቲ ነጠብጣብ ወይ መለግለግ ዝብል ክፋል በናና
ከምዘይጠፍእ ኣረጋጊጹ። በናና ሃብታም ትሕዝቶ ፖታሸም፡ ማንጋነዝ፡ ነሓስን
ካልኦት ኣገደስቲ ማዕድናትን ኣለዎ።ብተወሳኺ በናና ካብ ሕማም ጸቕጢ ደምን ወቕዒ ልብን ከምዝከላኸል መርበብ ብሉድ ስካይ ኣፍሊጡ።

ዘይካዚ ክልተ በናና ምምጋብ ን90 ደቓይቕ ንምንቅስቓስ ዘድሊየና ጸዓት
ከምእንረክብ ሰብ ሞያ ይሕብሩ። ኣብ ደቂ ኣንስቲዮ’ውን በናና ምስ ወርሓዊ
ጽግያት ንዝረኣዩ ሕማማት ይፍውስ። በሉስከ እዚ ኵሉ ጥቕሚ ኣብ በናና ካብ
ሃለወ ምብላዕ ኣይንሕመቕ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com