Friday , March 29 2024
ANDREW YATES/TT

ጸወታ ቦክሲን ማች ብሓያል ጸወታ ማንቸስተር ሲትን ሊቨርፑልን ክዛዘም እዩ!

ሎሚ ምሽት ክለብ ሊቨርፑል ናብ ሜዳ ኢትሓድ ኣቕኒዓ ተካይዶ ጸወታ ኣቓልቦ ቡዙሓት ኣፍቀሪ ስፖርት ስሒቡ ይርከብ። ቻምፒዮን ፕሪመርሊግ ዝሓለፈ ዓመት ማንቸስተር ሲቲ ካብ መራሒት ሊቨርፑል ብ 7 ነጥቢ ተፈንቲታ ብምህላዋ ሓጋል ግጥም ከምዝኸውን ብ መንገዲ ኣሰልጠንተን ዝወሃብ ዘሎ ሙቁራት ናይ ቃላት ኩናት ክንግምት ንኽእል።

እሰልጣኒ ማንቸስተር ሲት ዝኾነ ፔፐ ጋርደዮላ ናይ ሎሚ ሊቨርፑል እታ ዝሓየለትን ብሉጻት ተጻወት ዝሓቖፈት ጋንታ እያ ንዘለና ፍልልይ ነጥቢ ናብ 4 ከነውርዶ ክንቃልሰ ኢና ኽብል ከሎ።

 ክሎቭ ብወገኑ ክለብ ሲቲ ካብተን ዝሓየላ ጋንታ ሓንቲ እያ ሓያል ኣሰልጣኒን ተጻወትን ትውንን እንተኾነ በዚ መስሪትናዮ ዘለና ኩነተ ኣእምሮ ክንስዕራ ኢና ክብል ነዳዲ ወሲኹሉ።

እዚ ናይ ሎሚ ርክበን ወሳኒ ከሙኻኑ መጠን ክለብ ሊቨርፑል ዘልዋ ብልጫ ነጥቢ ዓቕባ ወይ ፍልልያ ክብ ብምባል ብመርሕነታ ን ሰሌዳ ፕሪመር ሊግ ክትቅልሶ ወይስ ናብ ፍልልየን ናብ 4 ነጥቢ እዩ ክወርድ ሊሚ ምሽት ኣብ ዝግበር ናይ 90 ደቒቕ ጸወታ ክምለሰ እዩ።

ክለብ ሊቨርፑል ናብ ሜዳ ኢትሓድ ከይዳ ካብ ናይ መጨረሻ ዘካየደቶም ትሽዓተ ጸወታታት ሓንሳብ ጥራይ  ክትዕወት ኪኢላ ዝተረፈ ሓሙሽተ ግዜ ክትስዓር ከላ ኣብ ሰልስተ ማዕረ ተፈላልያ።

ኣብ ምስልጣን ዘመን ፔፐ ጋርድዮላ ን የርገን ክሎቭ ስዕርዎ ኣይፈልጥን እዚ ማለት ክሎቭ ሸውዓተ ግዜ ብምስዓሩ ላዕለዋይ ኢድ ሒዚ ይርከብ።

ተጻዋታይ ሲቲ ኣውጌሮ ኣንጻር ሊቨርፑል 6 ግዜ ተሰሊፉ 6 ሸቶታት ከመዝግብ ከሎ፣ ብተወሳኺ ሳላሕ  ኣብ ናይ 4 ግዜ ግጥማት ኣንጻር ሲቲ  3 ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ብመሰረት ገማቲ ቢቢሲ ላውሮ ብናይ ማዕረ ውጺኢት 1 ብ 1 ክዛዘም እዩ ክብል ግምቱ ሂቡ ኣሎ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com