Friday , March 29 2024
Kleve-Ruud, Luca/TT

ጸገማት ምስማዕ ኣብ መንጎ ስደተኛታት

ካብ ዞባ ኲናት ዝመጹ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዝውቱር ጸገማት እዝኒ፡ “ምስማዕ”

ማሕሙድ ኹጃ፡ “ኣነ፡ እቲ ነቱጊ ክመጽእ ከሎ፡ ኣፈይ ክኸፍትን እዝነይ ክዓብስ (ክዓጹ) ከምዘለኒ ተማሂረ፡” ይብል።

ብመሰረት ጸብጻብ ቲቪ ሽወደን፡ 4 ካብ 10 ካብቶም ኣብ ምምሕዳር (ሙኒሲፓሊቲ) ሱነን ቶርስቢን፡ ወረዳ ቫርምላንድ ዝነብሩ ስደተኛታት ናይ እዚ (ምስማዕ) ጸገማት ኣለዎም። ናይዚ ጸገም ካብ ዝፈጠሩ ጠንቂ ረቛሒታት ሓደ፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኲናት ኢዩ።

ማሕሙድ ኹጃ፡ ናብ ሽወደን ቅድሚ ክልተ ዓመት መጺኡ። ንሱ ካብታ ብሰንኪ ኲናት ሶርያ ኣዝየን ዝተሃስያ ከተማታት ሓንቲ ዝኾነት ኣለፖ፡ ሃዲሙ።

“ኣነ እቲ ነቱጊ ክመጽእ ከሎ፡ ኣፈይ ክኸፍትን እዝነይ ክዓብስ (ክዓጹ) ከምዘለኒ ተማሂረ። ዕላማኡ ንማዕበላት ጸቕጢ ንምጽዋር ኢዩ፡” ኢሉ ንከባቢያዊት ጨንፈር ቲቪ ሽወደን፡ ኣብ ቫርምላንድ፡ ገሊጹ።

ንሱ ካብቶም 150 ካብ ዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ኲናት ሶርያ ተሳቲፎም ዝመጹ ሓደ ኢዩ። ከም ኣካል ናይ ሓደ መጽናዕቲ፡ ናይ ምስማዕን ምርኣይን መርመራ ተኻዪዱሉ። እቲ መጽናዕቲ ብሓደ ተራድኦኣዊ ውድብ ናይቲ ዞባ ዝኾነ ትካል (ኣጀንሲ) ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ትካል ህዝባዊ ሽቕለት (PEA)ዝተኻየደ  ኢዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ቫርምላንድ ዘሎ ሓላፊ፡ ትካል ሽቕለት፡ ቶርጆርን ጆሃንሰን (TJ)፡ “ንሕና ኣብቲ ኣስተምህሮ ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛታት (SFI)፡ ሰባት ኣብቲ ክፍሊ ንነዊሕ ይጸንሑ ስለዝነበሩ፡ ገለ ጸገም ከም ዘሎ ተረዲእና። ሽዑ ኣብ ናቶም ምስማዕን ምርኣይን ጸገም ከይህሉ ጠርጢርና፡” ይብል።

ንሱ፡ ንቲቪ ሽወደን፡ “ንሕና ሓደስቲ መጻእቲ (ስደተኛታት) ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ስራሕ ክጅምሩ ንደሊ፡” ክብል ገሊጹ።

40% ካብቶም ዝተመርመሩ (ዝተፈተሹ) ሓደስቲ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ናይ ምስማዕ ጸገም ኣለዎም። ገለ ካብኣትምም ከኣ እቲ ጸገሞም ከቢድ ኢዩ፡” ትብል ማደሊን ካሪሶን-ስይንክ። ንሳ ኣብ ቶርስቢ ኣብ ዓውዲ ሞያዊ ጥዕና እትሰርሕ ነርስ ኢያ።

ቀጺላ ንሳ፡ “መብዛሕቱ ግዜ፡ ብዓውታ ዘለዎ ድምጺ ዝተሃስዩ፡ እቶም ትሕቲ 60 ዓመት ዕድመ ዝኾኑን፡ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎምን ኢዮም። እዞም ጸገማት ከኣ ካብቲ ኲናት ከም ዝስዕቡን፡ ብዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ኲናት ከምዝተጸልዉን ንፈልጥ ኢና፡” ትብል።

ዝሓለፈ ረቡዕ፡ እቲ ንጸገማት ምስማዕ ዘለዎም ዘባት ዝውክል ማሕበር (HRF)፡      ን“ትካል ሽቕለት” (Employment Agency)፡ ኩሎም ናብ ሽወደን ዝመጹ ስደተኛታት ናይ ምስማዕ መርመራ ኪካየደሎም ጻውዒት ኣቕሪቡሉ ኣሎ።

ማቲያስ ሉንደቫም፡ “እቲ ብዝሒ (ቁጽርታት) ዘሰንብድ ኢዩ። ንሓድሽ ስደተኛ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ ኣብ ግዜ መደብ “ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛታት” (SFI) ነቲ ዝዝረብ (ዝበሃል) ዘሎ ምስማዕን ምክትታልን ኣገዳሲ ኢዩ። በዚ ኣቢልካ ድማ፡ ዕዉት ምውህሃድ ክትገብር፡ ማለት ክትመሃር፡ ስራሕ ክትረክብ፡ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ህይወት ክትፈጥር (ክትሰርዕ) ይከኣል፡” ይብል። ንሱ፡ ኣባል’ቲ ናይ ምስማዕ ጸገም ንዝለዎም ዝውክል ወድብ (HRF) ኢዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com