Tuesday , April 23 2024
Owe Nilsson/TT

ጸጋማዊ ሰልፊ ሽወደን ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ ከም ዘይጒስጒስ ኣፍሊጡ።

ጸጋማዊ ሰልፊ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝግበር ባይቶኣዊ ምርጫ ሽወደን ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ ከም ዘይጒስጒስ ኣፍሊጡ።

ሰንበት መዓልቲ ንሓያሎ ሰዓታት ኣብ ዝተገብረ ጽዑቚ ክትዕ ሽወደን ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጨሪሳ ክትወጽእ ኣለዋ ዝብል እማመ 41-30 ብዝኾነ ድምጺ ከም እተሳዕረ ይፍለጥ።

እዚ መሪሕነት እቲ ሰልፊ ዝደልዮ ምዃኑ መራሒኡ Jonas Sjöstedt ብሓጎስ ገሊጹ’ሎ።

ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣጀንዳ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቅ Sjöstedt ብደረጃ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዕቱብ ክረኣዩ ዝግብኦም ከምኒ ምልዋጥ ክሊማን ምትንሳእ የማናዊ ክንፊ ኣብ ኣውሮጳን ዝበሉ ጒዳያት ምህላዎም ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com