Friday , April 19 2024

ጸጋማይ ሰልፊ ምስ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ሕጹይ ፕረሲደንት ይበኣስ

ፖለቲካ TT

ጸጋማይ ሰልፊ ነቲ ናይ ባይቶ ካልኣይ ምኽትል ፕረሲደንት ቦታ ንምውሳድ ምስ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ሕጹይ ፕረሲደንት ይቃለስ።

ዮናስ ሸስተድ ንማእከላይን ንሊበራልን ሰልፍታት፡ ነቲ ናይ ጸጋማይ ሕጹይ ኪመርጹ ይምሕጸን።

ዮናስ ሸስተድ ኣብቲ ምስ ጋዜጣ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እቲ ጸጋማይ ሰልፊ ነቲ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና ብዮርን ሶደር ከም ናይ ባይቶ ምክትል ፕረሲደንት ከም ዘይቅበሎ ሓቢሩ። ከም ልሙድ፡ እቲ ሳልሳይ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ ነቲ ቦታ ዚወስዶ ዝነበረ።

ንሱ ንኹሉ ሽወደናዊ ክውክል ኣይክእልን። ንሕና ከም ዘይብቑዕ ጌርና ኢና እንወስዶ፡ ይብልል ሾስተድ።

ነቲ ማእከላይ ሰልፊ ንምክትል ፕረሲደንት ሕጹይ ዝኸውን ሰብ ንኺረቍሕ ብማለት እቲ ጸጋማዊ ሰልፊ መጀመርያ ነቲ ኣብ ባይቶ ራብዓይ ዝዓበየ ሰልፊ ዝኾነ ማእከላይ ሰልፊ ረኺቡዎ ነይሩ። እቲ ጸጋማይ ሰልፊ ንኸምዚ ዝበለ ሕጹይ ምደገፎ ነይሩ። ስለዚ ብመሰረት ሾስተድ እቲ ማእከላይ ፓርቲ ንስቨርየ ደሞክራተርና ብዛዕባዚ ቦታ ኪወዳደሮ ኣይደለየን።

ቃልሲ ኣንጻር ውጽኢት ምርጫ

ኣብ ክንድኡ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ጸጋማይ ሰልፊ፡ ከም ሓምሳይ ዝዓበየ ሰልፊ መጠን፡ ናይ በይኑ ተወዳዳሪ ሕጹይ ኣቕሪቡ ኣሎ፡ ይብል ናይ ባይቶ ኣባል ሎታ ዮሃንሶን ፎርናርቨ ።

ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና መራሒ ጉጅለ ማቲስ ካርልሶን፡ ኣብቲ ምስ ውጽኢት ምርጫን ምስ ናይቲ ሰልፊ ዕቤትን ዚገብሮ ባእሲ፡ ንጸጋማይ ሰልፊ ” ስልጣን ኪግብት ይፍትን ኣሎ” ብምባል ይኸሶ።

ሓደ ሰልፊ ከምዚ ባህርያት ዘርእይ መጀመርታ ኣይኮነን፡ ይብል ካርልሶን።

ሾስተድ ነቶም ካልኦት ሰልፍታት ንሎታ ዮሃንሶን ፎርናርቨ ብምድጋፍ ካብ ስቨርየ ደሞክራተርና ኪርሕቁ ይምሕጸኖም።

ናይ ሊበራላውያንን ማእከላይ ሰልፊ ተወከልቲ፡ ኣብቲ ናይ ምርጫ መስርሕ ንስቨርየ ደሞክራተርና ስልጣን ኪህቡ ከም ዘይደልዩ ደጋጊሞም ተዛሪቦም። ሰኑይ ድማ እዚ ነገርዚ ተረጋጊጹ፡ ይብል መራሒ ጸጋማይ ክንፊ።

እነሆ እምበኣር ንያን ብዮርክሉንድን ኣኒ ሎፍን ዚኸውን መርትዖ።

ኪግምግም ኣይክእልን

ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና ማትያስ ካርልሶን፡ ሊበራላውያንን ማእከላይ ሰልፍን ነቲ ናይ ጸጋማይ ሰልፊ ሕጹይ ኪድግፋኦ ምዃነንን ዘይምዃነንን ኪግምግም ኣይክእልን።

ከምዚ ምስ ዚክኣል፡ ኣብቲ ባይቶ ከም ሓድሽ ኣገባብ ምተቖጽረ፡ ማለት እቲ ናይ ምርጫ ውጽኢትን እቶም መረጽቲ ዚብሉዎን ወሳንነት የብሉን፡ ብይል ንሱ።

ናይ ጸጋም ሰልፊ መራሒ ሾስተድ፡ ንሶደር በቲ ዝሃቦ ” ርኡይ ጸረ-ወጻእተኛታት” ርእይቶ፡ ከምኡውን ኣይሁድን ሳመርን ከም ሽወደናውያን ገይሩ ስለ ዘይቆጸሮም ከሲሱዎ ኣሎ።

እነሆ ደረትና፡ ይብል ሾስተድ።

ከም ቃልኣቐባሊ/ፕረዚደንት መጠን ሓደ ሰብ ንኹሉ ባይቶን ንኹላ ሃገር ሽወደንን ብኣህጉራዊ መዳይ ኪውክል ኪኽእል ኣለዎ።

ሓያል ግብረመልሲ

ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና መራሒ ጉጅለ ማቲስ ካርልሶን፡ ነቲ ናይ ሾስተድ ክሲ ኣመልኪቱ ሓያል ግብረመልሲ ይህብ።

ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሽወደን ነቲ ሶደር ዝበሎ ደው ኢሉ ብሓሶት ኪምክቶ ሓደገኛን ዘሕፍርን እዩ፡ ይብል ካርልሶን።

ብዮርን ሶደር ዝሓለፈ ጽድያ ኣብ ፈይስቡክ፡ መራሒት ማእከላይ ሰልፊ፡ ንኣይሁዳውያንን ንሳመርን ከም ሽወደናውያን ክትቆጽሮም ከላ ተዋርዶም እያ ዘላ፣ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሽወደናውያን ስለ ዘይኮኑ ኣብ ሃገር ሽወደን ናይ ህዳጣን ወይ ውሁዳን ደረጃ እዩ ዘለዎም ብምባል ጽሒፉ። ኣኒ ሉፍ በቲ ዓሌታዊ መርገጺኺ ሕፈሪ! ድማ ይብላ።

ኣብቲ ንኣፍቶንብላደት ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሶደር፡ ርእይቶኡ ኣብቲ ሽወደናዊ ዜግነት ኣይሁድን ሳመርን ፈጺሙ ከም ዘይቀንዐ ገሊጹ፡ ኩላቶም ዜጋታት ሽወደን ድማ ብማዕረ ኪረኣዩ ኣለዎም ይብል።

እቲ ብሾስደት እተጠቕሰ ” ርኡይ ዓሌታዊ ርእይቶ” ካብ ናይ 2007 ዘረባ እዩ።

እቶም ዘይመረጹ

ብዮርን ሶደር ካብ 2010 ጀሚሩ ካልኣይ ምክትል ፕረሲደንት እዩ ነይሩ። ይኹንምበር ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ጸጋማይ ሰልፊ ንሱ ነቲ ቦታ ኪወስዶ ኣይደለዮን።

ኣባላት ጸጋማይ ሰልፊ ልክዕ ከምቶም ኣብ ኩሉ ሰልፊ ዘለዉ ኣባላት፡ 292 ኣባላት ባይቶ፡ ንኸይመርጹ ወሲኖም። ሽዑ፡ ሶደር፡ ብ 52 ድምጺ ጥራይ ተመሪጹ።

ብዘይካ ጸጋማውያን እቶም ዝተረፉ ሰልፍታት እንተ ዘይመርጹ እውን፡ ሶደር ገና ምተመርጸ፡ ምኽንያቱ ስቨርየ ደሞክራተርና ካብ ጸጋማይ ሰልፊ ይዓቢ።

ሀንሪክ ሞንተጎመሪ

ናይ ጸጋማይ ሰልፊ ዮናስ ሾስደት ምስ ኣባል ባይቶ ሎታ ዮሃንሶን ፎርናርቨ

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com