Friday , April 19 2024
Foto: Jonas Ekströmer / TT kod 10030

ጸጋማይ ሰልፊ ብዛዕባ ምጽንባር ኔቶ ረፈረንደም ክካየድ ጠሊቡ።

ጸጋማይ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽባር ወይስ ንዘይምጽንባር ብረፈረንደም ክትውስን ጠሊቡ። መራሒ እቲ ሰልፊ ኑሺ ዳጎስታር፡ ትማል ንግሆ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዝብዝሑ ኣድመጽቲ ነተን ሽወደን ናብዚ ወተሃደራዊ ጥምረት ትሕወስ የብላን ንዝብላ ሰልፊታት ደገፍ ምሃቦም ኣመልኪታ።

ፖለቲከኛታት መርገጽኦም ክቕይሩ እንተኾይኖም፡ እዚ ጒዳይ ንኣድምጽቲ ክግደፍ ምተገብኦ ኔሩ ኢላ። ሽወደን ረፈረንደም ከካይድ እየ እንተይላ፡ ሩስያ ኣብቲ ዝካየድ ወፍሪ ጽልዋ ከተሕድር ከም እትኽእል ዝገለጸት ዳጎስታር፡ እንተኾነ ግና ካልኦት ሃገራት ጽልዋአን ከንብራሉ ይኽእላ እየን፡ ብምባል ጥራይ ሽወደን ን ዴሞክራሲ ክትውንዝፍ ከም ዘይግብኣ ኣተሓሳሲባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com