Friday , March 29 2024

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኒኤል ሳህለ : ጽሑፍን መልእኽቱን (The Evolution of Writing)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ወድሰብ ዘረባ ምስ ተማህረ፡ ነዊሕ ጸኒሑ ኪጽሕፍ ጀመረ። ዕላማኡ ድማ ነቶም ብዘረባ ዘይርድኡ ተግሳጽ’ውን ዘይስቈሮም ሰባት ነባሪ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ነበረ። ዘረባ ሓላፊ፡ ቀለም ተራፊ።

ብፍላይ ኣባላት ቤተመንግስትን ቤተክህነትን ነቲ ልኡላውን ኣምላኻውን ዝኾነ ትእዛዛቶምን ሕግታቶምን ኣብ ጽሑፍ ከንብሩዎ ግድን ነበረ። በቲ ዘይሃፍፍ ጽሑፍ ገይሮም ግዴታኻን ግቡእካን ወትሩ የዘክሩኻ ኣለዉ ማለት እዩ። ገለ መንግስታውን ቤተክህነታውን ምስጢራት ከኣ ካብ ብቓል ብጽሑፍ እንተ ተመሓላለፈ ይምረጽ ነበረ። ምስታር ዘድልዮ ኣሎ። ምድርጓሕ ዘድልዮ ኸኣ ኣሎ። 

እንስሳታት ብመገዶም ብተዛማዲ መገዲ ይዛረቡኳ እንተ ኾኑ፡ ኪጽሕፉ ግን ኣይክእሉን። ምናልባት እተፈላለየ ሽታን ባህርያዊ ኩነታትን ምልክታትን የንብቡ ይኾኑ። እንስሳታት ኪጽሕፉ ርእየ ዚብል ሳየንሰኛ ግን ገና ኣየጋጠመን።

ጽሕፈት እንተ ዘይመሃዝ ነይሩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋትን ሕግታትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኪሓልፉ ምኸኣሉ’ዶ? ሕግታትን ትእዛዛትን ነገስታትከ ናብቲ ህዝቢ ኪሰግሩ ምኸኣሉ’ዶ? ምናልባት ከም ሕጊ እንዳባን ካልኦት ተመሳሰልቶምን ብስነ-ቓል ኪሓልፉ ምኸኣሉ። ግን ስነ-ቓል ብብዙሕ መገዲ ኪብረዝን ኪብከልን ከሎ፡ ጽሑፍ ግን ጽኑዕን ነባርን እዩ። ክንደይ ቃላትን ሓረጋትን ኢልካ እዩ’ሞ ብሓንጎል ኪተሓዝ? ናይ ኣእምሮ ዝኽሪ እናሃሰሰ ኪኸይድ ከሎ ናይ ጽሑፍ ግን ንሓዋሩ ይነብር።

ይኹንምበር፡ ብጥንቲ ኩሉ ሰብ ኪዛረብ ይኽእልኳ እንተ ነበረ (ብዘይካ ገለ ባሃማት)፡ ኩሉ ሰብ ኪጽሕፍ ግን ይኽእል ኣይነበረን። ምጽሓፍሲ ኣብቶም መኳንንትን ካህናትን ጥራይ እዩ ተሓጺሩ ዚነብር ነይሩ።

ኣብዚ’ውን እቶም መኳንንትን ካህናትን ባዕላቶም ዘይኮነስ ብጊላታቶም ገይሮም እዮም ዚጽሕፉ ነይሮም። ነፍስወከፍ መኰንን ወይ ካህን ናይ ገዛእ ርእሱ ጸሓፋይ ነይሩዎ። ትእዛዝ ወይ መምርሒ ምስ ዚወሃብ፡ እቲ ጸሓፋይ ካራኡ ስሒሉ ኣብ ጥሉል ጭቃ ይሕንጥጥ። ወይ ድማ ምሳሩ ኣብሊሑ ኣብ እምኒ ይወቅር። ወይ ከኣ ቅርቅሃ ጸሪቡ ኣብ ቀለም ጠሚዑ ኣብ ንቑጽ ቈጽሊ ወይ ኣብ ዓጽሚ መሓግሓጋ ይጽሕፍ ነበረ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ ቤተመጻሕፍቲ እንተ ዚህሉ ነይሩ፡ ብንቑጽ ጭቃን ብዓጽምን ንቑጽ ኣቝጽልትን ደናጉላን ምመልአ ነይሩ። ግን’ሞ ብዘይካ ካህናትን መኳንንትን መንዩ ኣብኡ ኣትዩ ከንብብ? 

ደሓር ግን ቀስ እናበለ ብብራና እተጻሕፈ ጥቕሉል መጻሕፍቲ ኪተኣታቶ ጀመረ። ኣብ ክንዲ ገንጺልካ እተንብብ፡ ዘርዚርካ ተንብብ ማለት እዩ። እዚ ኣብ ግዜና ገንጺልካ ዚንበብ ዘሎ መጽሓፍ፡ ጸኒሑ ዝማዕበለ ኣገባብ እዩ። ኣብ ቤት መቕደስ ኣይሁድ ኬድኩም ነቲ ኦሪት ከንብቡዎ ከለዉ እንተ ትምልከቱ፡ ነቲ ጥቕላል እናዘርዘሩ ከንብቡ ምተዓዘብኩምዎም።

ምጽሓፍ ምናልባት ምስ ምስዳድ ደብዳበታት ተጀሚሩ ይኸውን። እቶም ልኡኻት ነቲ እተላእኩዎ ደጋጊሞም ልኡኽ ሓሊቦ ምስ ገበሩዎ፡ ብጽሑፍ ኪወሃቦም ግድን ነበረ። ምስጢር ኪሕባእ እንተ ኾይኑ’ውን ብደብዳበ ወይ ሰታሪት ኪኸውን ነበሮ።

ሰብ ካብ ብዘረባ ብጽሑፍ ዝያዳ ኪትንኵልን ከምዚ ማለተይ ኣይኮነን ከምዚ ማለተይ እየ ኪብል ስለ ዚኽእል፡ ጽሑፍ ዝያዳ ኣገዳስነት እናለበሰ ኸደ። ብኣንጻሩ ግን፡ ጸሓፍትን ሃየስትን ወይ ነቐፍትን ድማ ነቲ ተንኰለኛ ኪምክተሉን ኪረትዑዎን ስለ ዚኽእሉ፡ ኣገዳስነቱ ዛየደ።

ኩሉቲ ዚጸሓፍ ዘበለ ዕላማኡ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እኳ እንተ ኾነ፡ ኩሉ ጸሓፊ ግን ነቲ መልእኽቱ ብስርዓት ጌርካ ናይ ምሕላፍ ክእለት ወይ ዓቕሚ የብሉን። ነዚ ንምግባር እኹል ፍልጠት ቃላትን፡ ሰዋስውን፡ ናይ ምግንዛብን ምዝማድን ክእለት ምህላው ኣገዳሲ እዩ።

ገለ ሰብ ነቲ ሓሳቡ ብውሑድ ቓላት ገይሩ ንኸሕልፍ ክእለት ኪህሉዎ ኸሎ፡ ካልእ ሰብ ድማ ክልተ ገጽ ለቕሊቑ’ውን መልእኽቱ ከመሓላልፍ ኣይክእልን። አረ ገሊኡስ ኣንጻር ናይቲ ኪብሎ ዚደሊ ገይሩ እዩ ብወግዒ ዘንብሮ።

ናይ ገሊኡ ጽሑፍ ምድንጋር ዝበዝሖን ብብዙሕ መገዲ ኪትርጐም ዚኽእል ሓረጋት ዝሓዘን ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ገሊኡ ድማ ንጹርን ዘየዳግምን ኮይኑ ይርከብ።

ከምቲ ገሊኡ ሰብ ሓሳቡ ብዘረባ ኪገልጽ ዘይክእል ግን ከኣ ኢዱ ወስ ምባል ዚቐሎ፡ ማለት ካብ ብኣፉ ብጉስጢ ዚሰልጦ፡ ገሊኡ ሰብ ድማ ካብ ብጽሑፍ ብዘረባ ዚቐሎ ኣሎ።

ብሓጺሩ ምጽሓፍ ናይ ኩሉ ሰብ ተውህቦ ኣይኮነን። ንጽሕፈት ተባሂሉ እተሰርሐ ሓንጎል ኣሎ። ንዘረባ ተባሂሉ እተጸርበ ሓንጎል ድማ ኣሎ። ካብዚ ክልቲኡ ዘይብሉ፡ ብኢዱ ይሰልጦ ማለት እዩ። እምበኣር፡ ዘረባ ምስ ተወደአን፡ ጽሑፍ ምስ ተጸንቀቐን እዩ ሰብ ናብ ውግእ ዘምርሕ ዝነበረን ዘሎን።

ይኹንምበር፡ ግሩም ጌርካ ምጽሓፍ ናይ ፍሉያት ሰባት ተውህቦ ኪኸውን ከሎ፡ ኩሉ ግን ከመሓይሽ ኪፍትን ይግባእ። ሓድሓደ ግዜስ፡ ካብቶም ተውህቦ የብሎምን ኢልካ እትንዕቆም ሰባት’ውን ግሩም ዝኾነ ጽሑፍ ኪወጽእ ይረአ እዩ። ወይ’ውን ገለ ሰባት ብስዲ ጽሑፍ ድኹማት ብግጥሚ ግን ንፉዓት ኮይኖም ይረኣዩ እዮም።

ምሉእ ዕድመኦም ጽሒፎም ዝና ዝሰኣኑ፡ ደሓር ግን ኣብ እዋን እርጋኖም ፈቲኖም እተዓወቱ ሓያሎ ደረስቲ ድማ  ኣለዉ። ስለዚ ብእርጋን ተደኒስካ ኣብ ዓራት ተዀርሚኻ እንተሎኻ’ውን ምጽሓፍ ኣይተቋርጽ ደኣ።

ምናልባት ሓደ መዓልቲ እታ ብማዕጾ ዝሃደመትካ ዕድል ተመሊሳ ብመስኮት ትምለስ ትኸውን እያሞ ኣይትሕመቕ።

በቲ ሓድሽ ስራሕካ ድማ ነቶም ኣቐዲምካ ንዘመናት ብጽሑፋትካን ድርሰታትካን ዘሰልቸኻዮምን ላሕ ዘበልካዮምን ኣንባብያን ትኽሕሶም ትኸውን ግዲ!! 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com