Wednesday , April 24 2024
Several tonnes of rubbish have been removed from Sweden's beaches. (AP Photo/Kirsty Wigglesworth)

ጽሬት ገማግም ሽወደን፡ ተኻይዱ

ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ መላእ ገማግም ሃገረ ሽወደን፡ ብመንእሰያትን ማሕበራትን ዝተወደበ፡ ናይ ጽሬት መደብ ከምዝተኻየደ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ከምውጽኢቱ ድማ ኣስታት 13 ቶን ጓሓፍ ከምዝተላዕለን ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝጸረየ ጓሓፍ፡ ብ30% ከምዝዛየደን ተገሊጹ።

ብዓለም ደረጃ ኣብ ዝተኻየደ ፕሮጀክት ንሽወደን ወኪለን ማሕበራት ፓንታመራን ስተዳን ሽወደን፡ ኣብቲ ንጥፈታት ከምዝተሳተፋ ተገሊጹ። ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ 100 ዝኾና ሃገራት፡ መንእሰያት ተኣኪቦም መስርሕ ጽሬት ከምዘካየዱ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣስታት 1900 ሰባት ጥራይ ምስታፎም ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ 2300 ሰባት ከምዝተሳተፉ ይፍለጥ። እዚ ናይ ቁጽሪ ምውሳኽ፡ ክሳብ ክንደይ መንእሰያት፡ ኣብ መስርሕ ጽሬት ንኽሳተፉ ድሌት ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ።

ተረፍ ሽጋራ፡ ኣስታት 24% ናይቲ ጓሓፍ ምንባሩን ትሕቲ ሓደ ዕስሪት ድማ ናይ ትምባኾ መትሓዚታት ምንባሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com