Wednesday , April 24 2024
Erik Nylander/TT

ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም እተጠርጠረ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣቱ።

ሰለስተ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ዝርከቡ መንእሰያት ሰንበት ንግሆ ኣብ ምምሕዳር ከተማ Kalmar ንሓንቲ ኰተቴ ዓሚጽኩም ብዝብል ጠርጠራ ተታሒዞም።

እቶም ክልተ ድሕሪ ሕቶ ክፍነዉ እንከለዉ እቲ ሓደ ትቐዪዱ’ሎ። ሓላፊ መራኸቢታት ፖሊስ Patric Fors ምንም ዘጠርጥር ኣይረኸብናሎምን ይብል።

እቲ እተቐየደ መንእሰይ በቲ ዝወሓደ መምዘኒ እኹል መጠርጠሪታት ከም ዘለዎን ሎሚ እቲ መርመራ ፖሊስ ክቕጽል እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ እታ እተዓመጸት ቆልዓ 16 ወይ 17 ዝዕድሚኣ ኮይና ድሕሪቲ ፍጻመ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ’ላ።

እዞም ፈጸምቲ ተባሂሎም እተጠርጠሩ ቅድሚ ሕጂ ዝፋለጡ ሰባት ምዃኖም ተጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com