Thursday , April 25 2024
Jean-Yves Le Drian, foreign minister of France, during a meeting of the United Nations Security Council, Thursday, Sept. 23, 2021, during the 76th Session of the U.N. General Assembly in New York. (AP Photo/John Minchillo, Pool) UNJM120

ፈረንሳ: ዘሀውኽ የብለይን ኢላ

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ፈረንሳን ተኸሲቱ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ሽግር ብሓደ መዓልቲ ክፍታሕ እዩ ዝብል ሕልሚ የብልናን “ግዜን ተግባርን ዝሓትት” እዩ ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፈረንሳይ ዢን-ይቬስ ለ ድራያን ምስ መዘናኡ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማል ሓሙስ ድሕሪ ዘካየዶ ልዝብ ገሊጹ።

ኦስትራልያ ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ናይ ሳብማሪን ምህናጽ ውዕል ኣፍሪሳ ምስ ኣመሪካን ብሪጣንያን ሓድሽ ኪዳን ምክልኻል ድሕሪ ምኽታማ ዝምድና ኣመሪካን ፈረንሳን ምሕርፋፉ ይግለጽ። ካብዚ ሓሊፋ ፈረንሳ ኣብ ኣመሪካን ኦስትራልያን ዝርከቡ ኣምባሳደራታ ናብ ሃገራ ምስሓባ ይፍለጥ።

ንስምምዕ ኣመሪካን ኦስትራልያን “ቓጻዊ መጥቃዕቲ” እዩ ዝበለ ሚኒስተር ፈረንሳ እዚ ርክብ ክልቲኦም ሰብመዚ ኣብ ምምሕያሽ ምሕዝነት እተን ሃገራት ቀዳማይ ስጒምቲ እዩ ኢሉ’ሎ።

ክልቲኦም ሰብመዚ ንዝዓሞቐ ልዝብ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ኣብ ኣውሮጳ ክራኸቡ ተቛጺሮም ኣለዉ። ኣብዚ ርክብ ዝድህስስዎም ኣርእስታት እንታይ ክመስሉ ከም ዘለዎም እውን ተዛትዮም ኣለዉ።

ድሕሪዚ ልዝብ ፈረንሳ ናይ ኣመሪካን ኦስትራልያን ኣምባሳደራታ ክምለሱ ምግባራ ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com