Thursday , April 25 2024
foto:volvo

ፈጣናት ኣውቶቡሳት ኤልትሪክ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሽወደን ክኣትዋ እየን ተባሂሉ።

ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ዓመተ 2019 ሓደስቲ ፈጣናት ኣውቶቡሳት ካብ ነቚጣታት Barkabyን Akalla Metro Stationን ስራሕ ከም ዝጅምራ ተፈሊጡ’ሎ።

እዘን ኣውቶቡሳት ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዘለወን ኮይነን ብናህሪ ብምጒዓዝ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ርሕቀት ዝሰይትያ እየን ተባሂሉ’ሎ።

እዚ ዞባ ዓብዪ ከተማዊ ምንቅስቓስ ይረኣዮ ምህላዉ፡ ክሳብ ሕጂ 10ሽሕ ኣባይቲን ትሕተ-ምድራዊ ባቡር ተሃኒጾም ምህላዎም ድማ ተመልኪቱ’ሎ።

እዘን ኣውቶቡሳት ስራሕ ኣብ ምጅማረን እቲ ጒዕዞ ካሳብ ቅድም ካብ 12 ክሳብ 15 ደቒቕ ዝወስድ ዝነበረ ሕጂ ናብ 6 ደቒቕ ጥራይ ክጸሪ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com