Thursday , April 25 2024
Penelope Cruz poses for photographers upon arrival at the premiere of the film 'Parallel Mothers' and the opening ceremony of the 78th edition of the Venice Film Festival in Venice, Italy, Wednesday, Sep, 1, 2021. (Photo by Joel C Ryan/Invision/AP) LENT181

ፊልም ፐነሎፕ ክሩዝ: ኣብ ቨኒስ ዓብዪ ክብሪ ትረክብ

ኣብ ፈስቲቫል ፊልም ቨኒስ እተአኽቡ ኣፍቀርቲ ሲነማ: ነታ ብፔድሮ ኣልሞዶቫር እተኣልየት Parallel Mothers ዘርእስታ ፊልም: እተገብረላ መእተዊ ምዉቕ ኣቀባብላ ጌሮምላ ኣለዉ። ኣብዛ ኣብ ሆስፒታል ክገላገላ ብዛዕባ ዝኣትዋ ክልተ ነፍሰጾራት እትትርኽ ፊልም ፓራለል ማዘርስ: ቀንዲ ጠባይ ኮይና እትዋሳእ: ፐኖሎፒ ክሩዝ: እያ። ተዓዘብቲ እታ ፊልም: ንትሽዓተ ደቓይቕ ደው ብምባል ዘለዎም ክብሪ ገሊጾምላ ኣለዉ።

“ኣልሞንዶቫር ንቨኒስ ሓጎስ ሒዙላ ደበኽ ኢሉ” ክብል ዘ ጋርዲያን ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ገሊጹ። “እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሓንቲ ወሉዳ ምስ ካልእ ተቐዪሩ ከይኸውን እትፈርህ ኣደ ኮይኑ ኣዝዩ ደስ ዘብል እዩ” ክብል The Telegraph ብወገኑ ብዛዕባ እታ ፊልም ከቲቡ’ሎ።

ኣብዛ ፊልም ፐነሎፒ እተጻወተቶ ተራ ዝለዓለ ብምንባሩ እታ ፊልም ናታ እያ ክሳብ ምባል ዘድፍር ምዃኑ ሃያሲ ፊልም እታ ጋዜጣ ሮቢ ካሊን ጽሒፉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com