Thursday , April 18 2024

ፊንላንድ፡ ካብ 2010 ንደሓር ፍርያምነት እናንቈልቈለ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ካብ 2010 ንደሓር፡ ኣብ ፊንላንድ ፍርይምነት ከንቈልቊል ምጽንሑ ግንዛበ እኳ እንተሃለወ፡ ብዛዕባ ምኽንያት እዚ ክስተት ግና
ግቡእ ምርዳእ ከም ዘየለ ይግለጽ ኣሎ። ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ፡ ጠንቂ ናይዚ ምንቊልቋል ፍርያምነትን
ቆልዑ ክትወልድ ዘይምድላይን፡ ምስ ዘይርጉጽ ፋይናንሳዊ ኲነታትን ቅዲ ህይወትን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ተመልኪቱ። እዚ ኣብ
2015 ብ “ፋሚሊ ባሮሚተርስ ፊንላንድ”፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ 2018 ብ ”ቬስቶሊቶ” እተሳለጠ መጽናዕቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 20-
44 ዝርከቡን ቆልዑ ምውላድ ዝወዘፉን ሰብኡትን ኣንስትን ምስታፉ ተፈሊጡ’ሎ።
ብመሰረት እዞም ተሳተፍቲ ዝሃብዎ ቃል፡ ቅድመ ሰዓብ ዓበይቲ ምኽንያት እዚ ውሳነ፡ ምስ ፋይናንሳዊ ኲነታት ዝተኣሳሰር ዘይርጉጽ
ኲነታት ህይወት፡ ቆልዑ ዕላማ ዘይገብር ቅዲ ህይወት፡ ከምኡ’ውን ዘለዉና ይኣኽሉና ዝብሉ ምዃኖም ኣብቲ መጽናዕቲ
ተጠቒሶም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com