Friday , April 19 2024

ፊንላንድ፡ ውሳነ ዕጽዋ ኣመሓላሊፋ

መንግስቲ ፊንላንድ፡ ብመንገዲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ሳና ማሪን፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ካብ ዕለት 8/03 2021 ጀሚሩ፡ ንሰለስተ ሳምንታት ዝጸንሕ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል’ታ ሃገር፡ መስርሕ ዕጽዋ ክግበረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን’ዚ መስርሕ፡ ኩሎም ቤት ምግብታት፡ ባራት፡ ስፖርታዊ ኣደራሻት፡ ቤተ ምዘክራት ካልኦት ህዝባውያን ቦታታትን ክዕጸዉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ዓበይቲ ተመሃሮ ድማ ንንውሕ ዝበለ እዋን፡ ብመንገዲ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ክመሃሩ ምዃኖም እቲ ውሳኔ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀጻሊ፡ ኩነታት ለበዳ ኮሮና እናተጋደደ እንተድኣ መጺኡ፡ እዋን ሰዓት እቶ እቶ (ኮርፊው) ክእወጅ ከምዝኽእልን ሰባት ድማ ካብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ክቑጠቡን ርሕቀቶም ክሕልዉን ከምዝግባእ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ኣዘኻኺራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com