Thursday , April 25 2024

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሎሚ ኣዲስ አበባ ከምዝኣቱ ተሓቢሩ

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድን ምኽትሉ ፓንተን ኖፍን ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣትዉ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ልኡኻት ኣብ ጻንሒቶም ምስ ሰብመዚ ፌደራል፡ ተወከልቲ ትካላት ረድኤትን መሻርኽቲ ዲፕሎማሲን ከም ዝዘራረቡ ተገሊጹ፡፡

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ፡ ምብጻሕ ኣምባሳደር ሳተርፊልድን ምኽትሉን፣ ጎንጺ ደው ንምባል፣ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ፣ ተፈጺሞም ኣብ ዝተባህሉ ጥሕሰት መሰላት ግልጺ ምርመራ ክግበርን ኣመሪካ ብዘተ መፍትሒ ክርከብ ናይ እትገብሮ ጻዕሪ ኣካል ከምዝኾነን ኣብሪሁ፡፡

Källa BBC TIGRINJA


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com