Friday , April 19 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍናን ሓላፍነትን

ናዚስታዊ ኣዶልፍ ኣይኽማን ጻዕረኛ ኣመሓዳሪ እዩ ዝነበረ፡፡

​Adolf Eichmann

ካብ 1942 ጀሚሩ ኣይሁዳውያን ኣውሮጳ ኣብ ፖላንድ (እንተላይ ኦሽቪትዝ) ናብ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ምውፋር ቀንዲ ተልእኾኡ ነበረ፡፡

እዚ ውጥን ኣካል ናይቲ ሂትለር “ናይ መወዳእታ ፍታሕ” ኢሉ ዘጠመቖ ኣብ ኲለን ጀርመን ብሓይሊ እተቘጻጸረተን ከባቢታት ዝነብሩ ኣይሁድ ናይ ምጽናት ዕላማ እዩ ዝነበረ፡፡

ኣይኽማን ናይዚ ፖሊሲ ወጣኒ ኣይነበረን፡፡ እንተኾነ ግና ስሉጥ ናይ ባቡር መጓዓዝያ ብምምሕዳር ነቲ ዘስካሕክሕ ውጥን ህልቂት ኣይሁዳውያን ክዉን ኣብ ምግባር ተሳቲፉ እዩ፡፡

ካብ 1930ታት ጀሚሩ ናዚ ንመሰል ኣይሁድ ዘግህሱ ፖሊሲታት ኣተኣታትዮም ነበሩ፡፡

ሂትለር ኣብ ጀርመን ዘጋጠመ ኵለመዳያዊ ፍሸለት ብኣይሁድ ከም ዝተፈጠረ ብምስባኽ ኣብ ልዕሊኦም ሕነ ክፈዲ ሰለም ኣየበለን፡፡

ብመሰረት እዞም ሕጊታት ኣይሁዳውያን ካብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲታት ተኣጊዶም፤ ኩሉ ዘለዎም ገንዘብን ንብረትን ተዘሚቶም ብጫ መለለዪ ጨርቂ ክኣስሩ ጀመሩ፡፡ ተገፊፎም ከኣ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ክሕየሩ ተገብረ፡፡

ኣብዚ መዓስራት ህይወት ኣዝዩ ሕሱም ነበረ፡፡ እቲ “ናይ መወዳእታ ፍታሕ” ዝተባህለ ውጥን ግና ብኣረሜንነቱ ኣዝዩ ዝተፈለየ ነበረ፡፡

ሚልዮናት ኣይሁድ ብጅምላ ንምጽናት ካብ ከተማታት ናብቲ ዝቕተልሉ ቦታታት ክመጹ ነበሮም፡፡ እተን ዝነበራ መዓስከራት ኣማኢት ሰባት ዘቃጽላን ብጋዝ መሪዘን ዝቐትላን ፋብሪካታት ተቐየራ፡፡

መብዛሕትአን ካብዘን መቕተሊ ፋብሪካታት ኣብ ፖላንድ እየን ዝርከባ ዝነበራ፡፡ ስለዚ ድማ ነተን ባቡራት ምድሪ ብምውዳብ ንኣይሁዳውን ናብቲ ብጅምላ ዝቕተልሉ ቦታ ዘብጽሕ ሰብ ይድለ ነበረ፡፡

ኣይኽማን ኣብ ቤትጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ እናንበበን ጻውዒታት ተሌፎን እናገበረ ሚልዮናት ኣይሁድ በቲ ንሱ ዘዋድዶ መናሃርያ ከምዛ ዋዛ ይጠፍኡ ነበሩ፡፡

ኣይኽማን ኣብ ገበናት ናዚ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ፡፡ ይኹንምበር ካልኣይ ኲናት ዓለም ብስዕረት ጀርመን ምስ ተዛዘመ ሃዲሙ ኣብ ኣርጀንቲና ንሒደት ዓመታት ተቐመጠ፡፡

ኣብ 1960 ኣባላት ስለያ እስራኤል ክሳብ ከተማ ቡኦኖስ ኣይረስ ብምስላይ ሒዞም ናብ መጋባእያ እስራኤል ከም ዝቐርብ ገበሩ፡፡

ኣይክማን ብስቓይ ደቂ ሰባት ዝድሰት ኣራዊት ወይ ጋኔን ስለዝነበረ ዶ ይኸውን ከምዚ ዝበለ ንቓላት እኳ ዝኸብድ ግፍዒ ዝፍጽም ዝነበረ? እቲ መጋባእያ ክጅመር እንከሎ ዝበዝሑ ሰባት ከምኡ ኢሎም ይሓሰቡ ኔሮም፡፡

ዋእ…ንጹሃት ቆልዑን ደቀንስትዮን ቅትል ውዒሉ ድቃስ ዝመጾ ኣራዊት ጥራይ እዩ!

ጀርመናዊት ኣይሁዳዊት ፍላሰፋ ሃና ኣረንት ንመጋባእያ ኣይኽማን ናብ መጽሄት ኒውዮርከር ኣብ ምጽብጻብ ተዋፊራ ነበረት፡፡

ሰብ ብገዛእ ርእሱ ክሓስብ ኣብ ዘየፍቅድ ውልቀመላኺ ስርዓት ዘዓዪ ዝነበረ ፍሩይ በዓል መዚ ብኣካል ንምርካብ ምኽኣላ ከኣ ነቲ ጉዳይ ብፍሉይ ተገዳስነት ክትዕዘቦ ገበራ፡፡

እዚ ሰብ ከመይ ከምዝሓስብ፤ ነዚ ዓብዪ ጭካነኸ ብኸመይ ከውዕሎ ክኢሉ ክትፈልጥ ዓቢ ባህጋ ኣሕደረት፡፡            

ኣረንት ናብ ውሻጠ መነፈስ እዚ ናዚሰታዊ ክትኣቱ ምስ ጀመረት ፍጹም ኣገራሚ ኮይኑ ረኸብቶ፡፡

ኣይኽማን ብስቓይ ሰባት ዘሕጎስ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ብንእስነቱ ሓኪም ክኸውን ይምነ ነበረ፤ እንተኾነ ግና ደም ምርኣይ ሰለዘረብሾ ከቋርጾ ተገደደ፡፡

ኣይኽማን ጽልኢ ኣይሁድ ኣይነበሮን፡፡ ካብቲ ንናዚሰታውያን ዝለኸፎም መርዚ ዓሌታውነት ክንዲ ቅንጣብ”ውን ኣይረኸበትሉን፡፡

እሞ ብኸመይ ደኣሉ ኣይኽማን ሚልዮናት ሰባት ብዘስካሕከሕ ኣገባብ ናብ ዓዲ ሞት ዝልእክ ዝነበረ? ኣረንት ነቲ መልሲ ብሓደ መሉእ ሓሳባት ደምደምቶ፡፡

ኣይኽማን በዛዕባቲ ዝገብሮ ዝነበረ ስራሕ ክሓስብ ግዲ ኣይገበረን፡፡ ኣይክማን ዘይሓስብ ሰብ እዩ ኔሩ፡፡

እዚ ድማ”ዩ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሓደገኛ ሰብ ዝገበሮ፡፡

ኣብ መጋብኣያ ቤትፍርዲ ኣብ ልዕሊኡ ማእለያ ዘይብሉ መርትዖታት እናቐረበሉ ምንም ናይ ምርባሽ ምልክታት ኣይርኣየን፡፡

“ኣነ ዝጠሓስኩዎ ሕጊ ይብለይን፤ ከም ክቡር ዜጋ ሃገረይ መጠን ብሕጊ መንግስተይ እናተመራሕኩ እየ ዝዓዪ ኔረ…ከም ማይ ነገሆ ንጹህ እየ” ኢሉ ተኸራኸረ፡፡

ኣይኽማን ምኽባር ሕጊን ስርዓትን እቲ ዘዓበየ ክበሪ ሓደ ዜጋ እዩ ብዘብል መትከል እተሃንጸ ሰብ እዩ፡፡

ስለዚ ድማ ትእዛዝ ሃገር ክሳብ ዝኾነ ብዛዕባ ሞራላዊ ሳዕቤን ናይቲ እተዋህቦ ተልእኾ ክሓስብ ግድሽ ኣይገበረን፡፡

ኣብ መጋባእያ ከምኡ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ፍጹም ግር ከም ዝብሎ ይርአ ነበረ፡፡

ክሳብ እቲ መጋብኣያ ዝውዳእ ንጹህ ሰብ እየ ኢሉ ብልቡ ይኣምን ነበረ፡፡

ኣይኽማን ከም መብዛሕትኦም ናይ ዘመነ ናዚ ጀርመናውያን ብኣምልኾ ሂተለርን ዕቤት ሃገረ ጀርመንን ሰኺሩ እዩ ኔሩ፡፡

ኣብ ከባቢኡ ብዛዕባ ዝነበሩ ነገራት ኣብ ወሽጢ ሕልናኡ ከሰተንትን፤ ከም ሰብ በውልቁ ክግምግሞም ኣይፈተነን፡፡

ሕጊታት ሓለፍቱ ብኸመይ በቲ ዘሰለጠ መንገዲ ኣብ ፍጻሜ የውዕሎ ዘብል ሓሳብ ሒዝዎ ከይደቀሰ ዝሓድር ኣዝዩ ህርኩት ናዚሰታዊ እዩ ኔሩ፡፡

ናይ ውልቁ ሓሳባትን ሞራላዊ ገመጋምን ክገብር ፈጺሙ ኣይሓሰበን፡፡

ሰልፊ ናዚ ናብ ስልጣን እንተዘይመጽእ ኣይኽማን ኣብ ጥዑይ መንግስቲ ተራ ህረኩት ስራሕትኛ ኮይኑ ምነበረ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣይኽማን ኣብቲ መጋባእያ ብዝቐረበሉ መርትዖታት ገበነኛ ኮይኑ ስለእተረኽበ ብማሕነቐቲ ናይ ሞት ፈርዱ ተቐቢሉ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com