Friday , April 19 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ኣልፍሬድ ኖርዝ ዋይትሄድ ዝተባህለ ሊቕ “ፍልስፍና ትጅምር ብምግራም እያ” ይብል፡፡ ከም ኣባህላኡ እንተኾይኑ እዚ ምግራም ብዓይኒ ፍልስፍና ዝያዳ ምግራም ዝፈጥር እዩ፡፡ እዚ ምግራም ድሕሪ ምምርማርካን ምሕሳብካን እውን ዝቕጽልን ዝበለጸ ዕምቆት ዝሕዝን እዩ፡፡

ስለዚ ፍልስፍና ብነገራትን ኵነታትን ምድንናቕ ማለት ኮይኑ ብጎደና ፍልስፍና ምጕዓዝ ማለት ድማ ካብ ምግራም ናብ ካልእ ምግራም፤ ካብ ሓደ ብራኸ ናብ ካልእ ብራኸ እናዘለልካ ዝያዳ ሚስጥር ተፈጥሮ እናተኻፈልካ ሸናዕ ምባል እዩ፡፡

ኣብዚ ፍሱህ ጕዕዞ ዓብዪ ርውየት መንፈስ፤ዓብዪ ምግላጽ ሚስጥር ተፈጥሮ ኣሎ፡፡ ምስቲ ቆዝሞሳዊ ባህሪ ውህደትን ዕርቂን ይፍጠር፡፡

ብጎደና ፍልስፍና እንክትጎዓዝ ካብቲ ከም ውቅያኖስ ተቐዲሑ ዘይውዳእ፤መስተንክር ተኣምራት ተፈጥሮ ዝመልኦ ዓለም ዝቕዳሕ ሓቒቕ ምንጪ ጥበብ ክትሰቲ ኢኻ፡፡

ግና ሃምበቕ ኣቢልካ ሰቲኻ ኣይክትረዊን ኢኻ፡፡ ዳግማይ ትጐዓዘሉ፤ ዳግማይ ካልእ ምንጪ ፍልጠት ረኺብካ ዓቕምኻን እምነትካን ብዝፈቐዶ መጠን እትሰትያ፤ መሊስካ ዕረፍቲ ወሲድካ፤ ተደኒቕካ፤ ተገሪምካ፤ ተመሊስካ ናብ ዘየቋርጽ ናይ ፍልጠት ብራኸ እናሓዀርካ እትምርሻ ጕዕዞ ኣላትካ፡፡

ዕምርኻ ምሉእ፤ ብምኽንያት ልደትካ ናብ እተፈለኻዮ፤ ናብቲ ዝመጻእካሉ ዓለም ክሳብ ትጽንበር፤ ናብ ዘለኣለማዊነት ክሳብ ትወሃሃድን ኣብ ሕቚፊ እዚ ህላዌ ምንባር ክሳብ እትቕጽልን ብዓብዪ ተበግሶ፤ ወኒን ብፍስሃን እትኸዶ ጎደና እዩ፡፡

መንገዲ ፍልስፍና ቀሊልን ባህርያዊን ዝኾነ ስልቲ መንብሮ ብምስዓብ እዩ ዝጅምር፡፡ እዚ መንገዲ ነገራዊ ሃብቲን ገይጺን ምዅማር፤ ሆይሆይታን ዝናን ክኸስቡ ዝደልዩ ሰባት ዝጐዓዝዎ ኣይኮነን፡፡

ምኽንያቱ እዞም ነገራት ብዓውዲ ፍልስፍና ዝርከቡ ኣይኮኑን፡፡ ኣብ መንገዲ ፍልስፍና ነዊሕ ርሕቀት ንምኻድ ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰ ትሕትና ይሓትት፡፡

ኣብዚ ጕዕዞ ብጻዕርኻ፤ ብእለሻኻ ብዝረኸብካዮ ፍልጠትን ምግላጽን ምሕጓስ እንተዘይኮይኑ ካልእ ትረኽቦ፤ትጭብጦ፤ ትሕዞ ነገር የሎን፡፡

እዚ መንገዲ ብምድራዊ ዓይኒ፤ ብዓይኒ ተራ ሰብ እንክርአ ጎደና ሕሰምን ጕስቊልናን እዪ ዝመስሎ፡፡

አረ ገለ ሰባትሲ ብኣተሓሳስባኻን ኣነባባራኻን እተላዕለ ውግዘት ከውርዱልካን ኣበር ከውጽኡልካን እዮም፡፡

ዕድለኛ እንተዄንካ ምናልባት ሒደት ሰባት ከድንቑኻ እዮም፡፡ እዚኦም’ውን እንተዀኑ ክስዕቡኻ ኣይክእሉን እዮም፡፡

እቲ ጽቡቕ ነገር ፈላስፋ ሰዓብቲ ኣጥረየ ኣየጥረየ ብዙሕ ዝዓጅቦ ነገር ኣይኮነን፡፡ እኳደኣ ብሓደሻዕ ብዙሓት ሰዓብቲ እንተረኺቡ ብዙሕ ክጠራጠር ይግብኦ፡፡

በዚ ጎደና ምጕዓዝ ሰከምካ ከቢድ፤ መከራኻ ብዙሕ ስለዝገብር ደፊሩ ክጐዓዝ’የ ዝብል ኣይትረክብን ኢኻ፡፡ ኣብ ዘመናት ናይ እተጓዕዙ ሰባት ተረፍ ኣሰር ጥራይ ኢኻ ክትረክብ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ጎደና ንባዕሉ ንዅሎም ሰባት ክፉት ኣይኮነን፡፡

ወዲ ሰብ ኣብ ድራር እለቱ ምስተጸምደ እዩ፡፡ ካብዚ ዝተርፍ ግዜ እንተረኺቡ ድማ ንምሕጓስ ምስ ዘመዱን መቕርቡን ከሕልፍ እዩ ዝደሊ፡፡ ዝበዝሕ ግዜ ወዲ ሰብ ንባዕሉ ይኹን ንኻልኦት ምንም ረብሓ ኣብ ዘይርከቦም ከንቱ ነገራት ተኣሲሩ ኢኻ ትረኽቦ፡፡

ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ብሕቲ ጎደና ዝኣትዉ ሓድሽ፤ዝሓሸ ጎደና ንምርካብ፤ ዝተፈልየ ሓድሽ ነገር ንምፍላጥ ባህጊ ዘለዎም፤ ነዚ ባህጎም ከኣ ንምርዋይ ዝቐበጹ ሰባት ጥራይ እዮም፡፡

ስለዝኾነ ድማ እዚ ጉዕዞ ከመዮ ቤተ-እምነትን ዕዳጋን ብቐሊሊ ሃንደራእ ኢልካ ዝኽየድሲ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ጎደና ጥበብ ዝተሳሕሉ ሒደት ሃምበላት፤ ደፋራት ሓተትቲ ጥራይ ዝጸርግዎ መንገዲ እዩ፡፡ ነዚ እየ ኣነ ጎደና ፍልስፍና ዝብሎ፡፡

ልዕሊ ዝኾነ ድማ ንዝሰምዖን ዝተባህሎን ብቐሊሉ ዝኣምንን ዝቕበልን ሰብ ኣሎ፡፡ እዚ ምስ ምእመናን እዩ ዝምደብ፡፡ ኣማኒ ምዃን ንባዕሉ ጽቡቕ ነገር እኳ እንተኾነ ብዛዕባ እትኣምኖ ዘይምምርማር ግና ካብ ማእሰር ዕስለነት ኣየናግፈካን እዩ፡፡

ብዛዕባ እቲ ዝኣምኖ ክሳብ ኪንዮዋይ ወሰን ከይዱ ዘይሓትትን ዘይመራመርን ሰብ ኣብ ናይ ዕስለ ኣተሓሳስባ ዝነብር፤ ብቚጽሪ እምበር ብባዕሉ ክግለጽ ዘይክእል ሰብ እዩ፡፡

ከምዚ ዝበለ፤ ጥበብ ዘይትግለጸሉ፤ ዓለሙ እተደፍኖ፤ ብደመ-ነፍሲ ዝንቀሳቐስን ዝነብርን ሰብ ኣሎ፡፡ ንዕኡ እዚ መንገዲ ዕጹው እዩ፡፡ ምኽንያቱ ግዜያዊ ስምዒቱን ዕለታዊ ድሌቱን ስለ ዝስዕብ፡፡

ስጋዊ ሸውሃቱ ንምርዋይ ጥራይ እዩ ዝነብር፡፡ ንኸምዚ ዓይነት ሰብ መንገዲን ጥበብን ፍልስፍና ንሓዋሩ ዕጹው እዩ፡፡

“ኳሕኵሑ ክኽፈተልኩም፤ ለምኑ ክወሃበኩም” ይብል ቅዱስ መጽሓፍ፡፡ ብርግጽ ከምዚ ዝበለ እቲ መጽሓፍ ኣይኮነን፤ የሱስ በዓል ናዝሬት እዩ፡፡

ኣነ ግን እብል ኣሎኹ ንምኵሕኳሕ እውን ፈለማ ማዕጾ ምርካብ ይሓትት እዩ፡፡ ልዳት ጥበብ ዝረኸበ ንሱ እተዓደለ እዩ፡፡

በሪ ጥበብስ ይትረፍ መንገዲ ቤቱ ጠፊእዎ ደንበርበር ዝብል፤ ኣብዚ ስንክሳር ህይወት ወዲ ሰብ ሰኺሩ ዛወን እናበለ ናብ ገደል ዘምርሕ ብእኡ ኣቢሉ ዝጠፍእ ክንደይ ኣሎ፡፡

መንገዲ ጥበብ ደልዩ ዝረኸበ ንሱ ናይ እማን ዕድለኛ እዩ እብል ኣሎኹ፡፡ ናብቲ ላዕለዋይ ሓቂ፤ ናብ ዘለኣለማዊነት ዝወስድ መንገዲ ስለ ዝጀመረ፡፡

ኣብዛ ዓለም ብዙሕ መንገዲ እዩ ዘሎ፡፡ ግና መንገዲ ዘበለ ኵሉ ሰብ ይጎዓዘሉ እዩ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብዙሕ ሰብ ናይ ካልኦት ሰባት ኣሰር ርጋጽ ዘይረኣየሉ መንገዲ ተወዝ ኢሉ ክጸርግ ድሌት የብሉን፡፡

ዕሾዅን ተኾርባን ክረኽቦ ኣይደልን፡፡ ስለዚ ድማ ናይ ሰባት ኣሰር እግሪን ስንብራትን ዘለዎ፤ ዝተለምደ፤ ኣቐዲሞም ናይ ዝሓለፉ ኣእጋር መርገጽቲ ዘለስለሶ ዱኻ ሓመድ እምበር፤ መን ከም ዝረገጾ ዘይፍለጥ መንገዲ ሒዙ ክጎዓዝ ኣይመርጽን፡፡

እቲ ሓደ ምኽንያት መንገዲ ስሒተ እጠፍእዶኸውን ዝብል ስግኣትን ጭንቀትን ኣይደልን እዩ፡፡ በቲ ኻልእ ድማ ድኻም ጭንቀትን ስግኣትን ዘይብሉ ጉዕዞ ስለዝደሊ እዩ፡፡ ርግጽዩ ብዙሕ ብዘይተለምደ መንገዲ እንክትጎዓዝ ዕሾዅ ክወግኣካ ይኽእል እዩ፡፡ ኣራዊት ወይ ሽፍታ ክቃጸየካ ይኽእል እዩ፡፡ ብእኡ ኣቢልካ ምጥፋእ እውን ኣሎ፡፡ ብዝተፈልየ መንገዲ እንክትጎዓዝ ነዚ ኹሉ ፈሊጥካ፤ ተዳሊኻ ኢኻ ትኸዶ፡፡

ገሊኡ ሰብ ህይወት ኣብ ናይ ባዕላ ግዜ ናብ መድረኽ ትልሂት ከም እትወስዶ፤ ንገሊኡ ናብ ሰገነት ሃብቲ፤ ንገሊኡ ናብ ዓለማዊ ዝና ከም እትጎቶ ኣነውን ብብዙሕ ማዕበል መከራ እናተገፋዕኩ ናብዚ ጎደና ፍልስፍና ኣትየ፡፡

ፍልስፍና ማንም ዝነብሮ ናብራ ኣይኮነን፡፡ ናብዚ ዝወስድ መንገዲ ብዙሕ ሓላፍ-ዘላፍ ኣለዎ፡፡ ውሐዳት ናብ ልዳቱ ምብጻሕ እኳ እንተኻኣሉ እቲ በሪ ግና ኣይክፈተሎምን፡፡ ወይውን ባዕላቶም ነቲ በሪ ሓሊፎም ውሽጢ ምእታዉ ኣይክእሉን፤ ፍርሒ ስለዘሰንፎም፡፡

ሕጂ በዚ ጎደና ሸናዕ እብል ኣሎኹ፡፡ መዓልቦይ ዓቕመይ ክሳብ ዝፈቐዶ ንገዛእ-ነብሰይ ምፍላጥ እዩ፡፡ ካበይ እየ መጺአ? ናበይ እየ? ኣብ ዝብል ጉዳይ ንምምርማር፡፡ ርግጽዩ መዓልቦይ ዘለኣለማዊነት እዩ፡፡

ናብኡ ንምእታው እየ ማዕጾ ዝዅሕኵሕ ዘሎኹ፡፡ እዚ ዅሉ ዝኸውን ዘሎ ግና ሐሲበሉ ወይ ደልየዮስ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሰንሰለታዊ ምግጥጣም ነገራትን ኵነታትን ዝተኸስተ ተኣምር እዩ፡፡

እንተስ ብድንገት እንተስ ብፍቓድ ኣማልኽቲ እዚ ኮይኑሎ፡፡ ዕድለኛ እየ! ካብ ዕለታዊ ቅልስ ናብራን ውድድርን ወሰን ኢለ ዝነብረሉ ዕቚባን መጸናንዒን ኮይኑኒ“ሎ፡፡

በሪ ጥበብ እናኳሕኳሕካ ሓደ በሪ እንክኽፈት ናብቲ ካልእ በሪ እናኸድካ ብናይ ዘለኣለማዊነትን ናይ ሓጎስን ምንባር ንባዕሉ ዓብዪ ነገር እዩ፡፡ ትዕድቲ እዩ፡፡

በዚ ድማ ክሕጎስ እየ!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com