Thursday , April 25 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍናን ስነ-ምግባርን ካልኣይን መዛዘሚን ክፋል ብናስሮቪች

ሰነ-ምግባር ንሰብ ብውልቁ ዝምልከቶ ኣርእሰቲ እንተኾይኑ ክንዲ ብዝሕና ዝኸውን ናይ ሰነምግባር መዐቀኒታት ይህሉ ማለት ድዩ? እቲ መልሲ “ኣይፋል” እዩ፡፡ እዚ ምናልባት ሓደ ካብ ግርምቢጣት ኣምር ስነ-ምግባር እዩ ፡፡

ስነምግባር ንሓደ ሰብ ብውልቁ ዝምልከቶ ጕዳይ ይኹን”ምበር ተፈጻምነቱ ግና ኣድማሳዊ እዩ፡፡ ሕብረተሰብ ናይ ውልቀሰባት እኩብ እንዳኣሉ፡፡

ይብዛሕ ይውሓድ ኵሉ ሰብ ብኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ እዩ ዝመላለስ፡፡ ስነምግባር ከከም ደረጃ ኣተሓሳስባና፤ ዘዕበየና ባህልን እንነብረሉ ዘመንን ይፈላለ እዩ፡፡

ኣብ ኩሉ እዋንን ቦታን ተቐባልነት ኣለዎ ዝበሃል (Absolute) ስነ-ምግባር የሎን፡፡ እንተኾነ ግና ሓደ ሰብ “ኣነ ሕሱም ጭካነ፤ ዓሌትነት ወይ ቅትለት ኣይክፍጽምን እየ” ክብል እንከሎ ውልቃዊ ምርጫ ወይ ግዜያዊ ዊንታ ኣይኮነን ዝገልጽ ዘሎ፡፡

እዚ ሕቶ ጉዳይ ህላውነት፤ ቀጻልነት፤ ክብረትን ስልጣነን ወዲ ሰብ ብቐንዱ እዩ፡፡ ኵሉ ሰብ ሓሶት ምዝራብ ከም ቅኑዕን ቅቡልን እንተዝወስዶ ማንም ሰብ ንማንም ካልእ ምእማን መቋረጸ፡፡

ኣብ መንጎ ሰባት ዝህሉ ኩለመዳያዊ ርክብ ትርጉም ኣልቦ ምኾነ፤ ስልጣነ ወዲሰብ እውን መብቅዐ ኔሩ፡፡ ኵሉ ሰብ ስርቂ ቅቡል እዩ ኢሉ ኣሚኑ ንትግባረ እንተዝንቀሳቐስ ምውናን ዝበሃል ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ስልጣነና ምጠፍአ፤ ሰብኣዊ ድሕነት ኣይምሃለወን፤ ህይወትና ኣዝዩ ዘሕዝን ምኾነ፡፡

ኵሉ ሰብ ክቐትል እንተዝለዓልከ? ሰብኣውነትን ስልጣነን ናብ ዘይምለስሉ መዓሙቚ ምተደርበዩ ኔሮም፡፡ባዕልና ቀተልቲ፤ ባዕልና ግዳያት እንኾነሉ ናይ ራዕዲን ዓመጽን መንፈስ ምነገሰ፡፡ መሰረት ስልጣነ ወዲሰብ ስነምግባር እዩ ዝበሃል ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፡፡

እዚ ብይኸውን ዝቐረበ ሓሳባት ናብ ሓደ ሕመረት ትርጉም ስነ-ምግባር እዩ ዝመርሓና፡፡ እሞ ሕጂ ስነ-ምግባር እንታይ ኢልና ንግለጾ? ብሓጺሩ ሓደ ተግባር ቅኑዕ ደዩስ ዘይቅኑዕ ክትፈልጥ ትደሊዶ? “ኩሉሰብ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ እንተዝገብር ዓለም ከመይ ምኾነት” ኢልካ ንነብስኻ ሕተታ፡፡

ቅራፍ ባናና ኣብ ጎደና ምድርባይ ምንም ኣበሳ ዘይብሉ ተግባር ዝመስለካ እንተኾይኑ፤ እስከ ሕጂ ድማ ኩሉ ሰብ ቅራፍ ባናና ኣብ ጎደና እንተዝድርቢ ኢልካ ሕሰብ፡፡

ጎደናታት ብጎሓፍን ሕማቕ ሽታን ተዓብሊኹ ንጥዕናን ምንቅስቓስን መሸገረ፡፡ ሓሶት፤ ቅትለት፤ ስርቂ፤ ምትላል እውን ከምኡ እዮም፡፡ እቲ ኣባኻ ክወርድ ዘይትደልዮ ነገር ኣብ ካልኦት ንኽበጽሕ ኣይትስራሕ፡፡

ብኣድማሳዊነት ስነ-ምግባርን ልዕልና ምኽንያታውነትን ብልቢ ትኣምን እንተዄንካ ንስለ ረብሓኻ ክትብል ንኻልኦት ኣብ ዝሃሲ ተግባር ምውፋር ብርግጽ ክትኵንኖ ኢኻ፡፡

እቲ ሱር-ነገር ኣምር ስነ-ምግባር እዚ እዩ—ስነ-ምግባራዊ ምዃን ማለት ነቶም ኩሉ ሰብ መምርሒ ህይወቱ እንተዝገብሮም ኢልካ እትምነዮም ኣድማሳዊ ሕጊታት ነብስኻ ተገዛኢት ምግባር እዩ፡፡   

እዚ ቀንዲ መትከል ጀርመናዊ ፍላስፋ ኢማኑኤል ካንት እዩ፡፡ ኣብ ክንዲ ንስምዒትካ ንርትዓዊ ሚዛንካ፡ ኣብ ክንዲ ውልቃዊ ረብሓኻ ንረብሓን ውሕስነትን ኩሉ ሰብ ኣብ ግምት ምእታውን ቀዳምነት ምሃብን፡፡ ኩሉ ሰብ በዚ ወርቃዊ መትከል ክምራሕ ይፈቅድ ማለት ግን ኣይኮነን፡፡

ብሰርቂን ምጥፍፋእን ክብልጽጉ ዝደልዩ፤ ውልቃዊ ስልጣኖም ምንዋሕ እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ፍትሒ፤ መሰልን ክብሪን ወዲ ኣዳም ፋዓራ ዘይብሎም ሰባት ኣለዉ፤ ምናልባት ንኹልሳዕ ውን ይህልዉ ይኾኑ፡፡

እዚኣቶም ፈሊጦም ዝደቀሱ ስለዝኾኑ መሰረት እምነትካ ከተረድኦምን ብሓይሊ ርትዓዊ ምጉት “ናብ ልቦም ክትመልሶም” ኢልካ ንኸንቱ ኣይትድከም፡፡

ምኽንያቱ ደይ መደይ ኢሎም ክፍኣት ጭካነን ዓመጽን ዝፍጽሙ ሰባት ንምግጣም ዘድልየና ቀንዲ ዕጥቂ ትብዓት እምበር ርትዓዊ ምጉት ኣይኮነን፡፡

ቅኑዕ ነብሰ-ክብረት ዘለዎ ሰብ ክብረት ካልእ ሰብ ክራኸስ ምርኣይ ኣይጻወርን እዩ፡፡ ንዓማጺ ብትብዓት ደው ኢልካ “ትዕምጽ ኣሎኻ” ምባል (እቲ ዓመጽ ንኣኻ ብቐጥታ ዘይትንክፈካ”ውን ይኹን) ዓቢ ስነ-ምግባራዊ ተወፋይነት እዩ፡፡

ብኣንጻሩ እቲ ጨው ቀትሪ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ግፍዒ ክፍጸም እናረኣየ ነቲ ተግባር ዘይኮነነ ምስቲ ገባሪ ዓመጽ ዳርጋ ዝተሓባበረ እዩ፡፡

ስነ-ምግባር ምንጩ ልዑል ምርዳእ ነብሰ-ክብረትካ እዩ፡፡ እዚ ግና ስለ እተመነኻዮ ጥራይ ስቕ ኢልካ እትውንኖ ጸጋ ኣይኮነን፡፡ ከም ኩሉ ክቡር ንገራት እዚ”ውን ጻዕሪ፤ ኣነነትካ ምጥንጣንን ዓሚቚ ኣስተንተኖን ይሓትት፡፡

ነቲ ዘይሓስብ፤ ቀጻሊ ምቾት ጥራይ ዝደሊ ክፋል ንስነትካ ምኽሓድን ምጥንጣንን ብቐሊሉ ዝርከብ ዓወት ኣይኮነን፡፡ ልዕሊ ስስዐ፡ ነፍሰ-ፍትወት፡ ባህጊ ዕብለላን ዓመጽን ብምምጥጣር ፍርያት ኣእምሮን ርትዓዊ ኣትሓሳስባን ዝኾኑ ሓሳባት ብቐጻሊ ምንዳይ ነቲ ዝድለ ስነ-ምግባራዊ ሰብነት ይሃንጽ፡፡

ሓደ ካብ ፍሉጣት ገጸ-ባህርያት ዶስተየቭስኪ “ኣምላኽ እንተዘይህሉ ኩሉ ነገር ፍቑድ ምኾነ” ይብል፡፡ እዚ ግና ቅኑዕ ኣባህላ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ህላወ ፈጣሪ እመን ኣይትእመን ብዘየገድስ ኩሉ ነገር ንዓኻ ፍቑድ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡፡

ሓቀኛ መሰረት ሰነ-ምግባራዊ ህይወት ፍርሂ ገሃነመ-እሳት ወይ ዓስቢ ገነት ኤደን ኣይኮነን፡፡ ምስ ነብስኻ ምትዕራቕን እቲ ካብ ኩሉ ዝኸበረን ኣብ ዕዳጋ ዘይርከብን ሰላም ኣእምሮ ምውናን ተረፈ-ምህርቲ ስነ-ምግባር እዮም፡፡

መንፈስ ዘመናዊነትን ኢ-ሃይማነታዊ ዓለምን ካብዚ እዩ ዝቕዳሕ፡፡ ምንጪ ስነምግባር ሃይማኖት ኣይኮነን፡፡ ብኣንጻሩ ንሃይማኖት ጽኑዕ መሰረት ዝህቦ ስነ-ምግባር እዩ፡፡ ብስም ሃይማኖት ዝፍጸሙ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዒታት ኔሮም እዮም፤ ክሳብ ሕጂ”ውን ይቕጽሉ ኣለዉ፡፡

ስነምግባራዊ ንምዃን ግድነት ሃይማኖታዊ ክትከውን ኣሎካ ዝብል ኣተሓሳስባ መሰረት የብሉን፡፡ ስነምግባራዊ ህይወት ንምንባር ሰብ ምዃን ጥራይ እኹል እዩ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com