Thursday , April 25 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍናን ፍቕርን ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል


ከም ፍቕሪ ጌሩ ብዙሕ ዝተጻሕፈሉን ዝተባህለሉን ኣርእስቲ ምሕሳብ ኣይከኣልን፡፡

ብፍቕሪ ዝመጽእ ጃሕጃሕታ ሓጎስን ምልኣት ህይወትን ፤ ወይ ድማ በንጻሩ ዝስዕብ መስበርቲ ልቢን ቅዛነትን ቀንዲ ዛዕባ ዝበዝሕ ዓይነት ስነጥበብን ኣፋዊ ያታን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡፡

ንኣባጽሕ ከም ዕላል ፍቕሪ ጌሩ ዝምስጦምን ቀልቦም ዝስሕብን ካልእ ኣርእስቲ እንታይ ኣሎ ድዩ? ካብ ፍቕሪ ንላዕሊ ወዕዉዕ ስምዒትን ምትእስሳርን ክፈጥር ዝኽእልከ እንታይ ምተጠቕሰ? ርግጽዩ እቲ ዝበዝሐ ኣርእስቲ ፍቕሪ ስነጥበብን ያታን ንጾታዊ ፍቕሪ ዝተሓዘአ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡

ንስለ ጾታዊ ፍቕሪ ክበሃል ኣብ መንጎ ንግስነታት ትሮይን ሰፓርታን ደማዊ ኵናት ተጌሩ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ግዳያት ከም ዝኾኑ ሆሜር ቅድሚ 3 ሽሕ ዓመታት ተቐንይዎስ ብፊልም እኳ ርኢናዮ! እታ ምልክዕቲ ኪለዮፓትራ ንሮማዊ ኣንቶኒ በፍቕራ እንተ ዘይትመልኮ ታሪኽ ዓለምና እንታይ ምመሰለ? ጾታዊ ፍቕሪ መዘውር ታሪኽ ዓለምና ክሳብ ምቁጽጻር ዝበጽሕ ሓይሊ ኣለዎ፡፡   

እንተኾነ ግና ኣቓልቦና ገዚኡ ግዜናን ጸዓትናን ብፍታውና ከነወፍየሉ ዝገብረና ኣርእስቲ…ጾታዊ ፍቕሪ ጥራይ ኣይኮነን፡፡

ናብ ቤተመቕደስ ኣዘወቲሮም ዝመላለሱን ብዛዕባ ባህርይ ፍጥረትን ፈጣሪን ብብሕቶም ምስትንታን ባህ ዝብሎም ሰባት ትፈልጥ”ዶ? እዚኣቶም ፍቕሪ ኣምላኽ ዝገዝኦም እዮም፡፡

ሰብ ብባህሪኡ ምስ ዝፈትዎን ኣብ ዝፈትዎን ክውዕል ይመርጽ፡፡

ኣዚኻ እትፈትዎ ነገር እንታይ እዩ? ፊልም? ስራሕካ? ስፖርት? ምፍልሳፍ? እዚኣቶም ባህ ኢሉካ ትገብሮም እንተዄንካ ብዘይጥርጥር ፍቕሮም ኣሎካ ማለት እዩ፡፡

ፍልስፍና ብዓንደ ርእሱ ትርጉሙ “ፍቕሪ ጥበብ” ማለት አንዳኣሉ፡፡ ፍቕሪ ጥብብ (ንስለ ጥበብ) እንተዘይሓዲሩካ ግዜኻን ጸዓትካን ንፍልስፍና ከተወፍይሉ ኣይክትድረኽን ኢኻ፡፡ (እንታይ ከም እተፍቅር ክነግረካ ዝበዝሐ ግዜኻ ኣበይ ከተጥፍኦ ባህ ይብለካ ንገረኒ)!፡፡

ናይ ዝኾነ ነገር ፍቕሪ የብለይን ዝብል ሰብ ካብ ምዉት ኣይፍለን እዩ፡፡

ምኽንያቱ ኣብ ሚስጥር ምንባርና ዝርከብ ህላውነታዊ (Existential) መልሲ “ፍቕሪ ኣሎካዶ የብልካን” ንዝብል ሕቶ እዩ ዝምልስ፡፡

ፈረንሳዊ ፈላስፋ ኣልበርት ካምዩ ኣብታ “ጽውጽዋይ ሲሲፈስ” እትብል ድርሰቱ ከምዚ ይብል፡፡ ኣብ ህይወትና ብዕቱብ ክምለስ ዝግብኦ እንኮ ፍልስፍናዊ ግድል ኣሎ፡፡ ንሱ ድማ ነፍሰ-ቕትለት እዩ፡፡ ካብ ብፍቓድካ ምሟት (ነፍሰ-ቕትለት ምፍጻም) ብህይወት ምንባር ዝመረጽካሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? እዚኣ እታ መሰረታዊት ሕቶ ፍልስፍና እያ ይብል፡፡ እትነብረሉን እትሞተሉን ዕላማ እንተ-ዘይብልካ ምንባርካ ትርጉም ኣልቦን ብላሽን እያ፡፡ ግና ትነብረሉን ትሞተሉን ዕላማ ብዘይ ፍቕሪ ክህሉ ዘይሕስብ እዩ፡፡ ንዘይተፍቅሮ ነገር ክትሞተሉስ ይትረፍ ምስኡ ንህሞት እውን ምጽናሕ ኣዝዩ ዓበዪ ግድል እዩ፡፡ ህይወት ኵርኳሕን መከራን ዘይፍለያን እያ፡፡ ካብ ሞት ህይወት መሪጽካ ነዚ ዘይተርፍ ዕጫ ካብ ተዳሎኻ እቲ ጾሩን መግደራኡን ብፍታውካ ክትስከመሉ መሪጽካዮ ዘሎኻ ዕላማ ህይወትከ ነዚ ዝበቅዕ ድዩ? እዚ ብውልቅኻ ክትምልሶ ዝግባኣካ ሕቶ እዩ፡፡

እዚ በል እቲ ከተፍቅር ዘይምኽኣል (አረ ኣብ ገለ ሰባትስ ንግዛእ ርእሶም እውን ኣየፍቅሩን እዮም!) ሓደ ካብ ምንጪ ከቢድ ቃዝኖትን ጭንቀትን ምዃኑ ፍሮይድ ኣብ እካበ ጽሑፋቱ ብዝርዝር ገሊጽዎ”ሎ፡፡

ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ-ኣእምሮ ዝተሰከመ ሰብ ንምንባር ዘኽእሎ ጸዓት መዓልታዊ እናተጸነቀቕ እዩ ዝኸይድ፡፡ እቲ ዘይተርፍ መደምደምታ ከኣ ነፍሰ-ቕትለት እዩ፡፡ እምበኣር ምንጪ ጸዓት ምንባርና ፍቕሪ እዩ ዝተባህለ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፡፡

ንህይወት ተደላዪትን ተፈቃሪትን ዝገብራ ባዕሉ ፍቕሪ እዩ፡፡ ምኽንያት ህላውነትን ቀጻልነትን ህይወት ፍቕሪ ካብ ኮነት ንስለፍቕሪ ምንባርን ምሟትን እቲ ዝለዓለ ምልኣት ህይወት እዩ፡፡

እዚስ ክንዲ ብዝሕናን ድሌትናን ዝኸውን ፍቕሪ ኣሎ ማለትዶ የስምዕ ይኸውን? ስለምንታይ ከ ንኹሉ እዚ ስምዒታት ነናቱ ስም ዘይንህቦ? እዝስ ንምጥርናፍን ንምርምርን ዘሸግር ዶ ኣይኮነን? ዝብሉ ሕቶታት ምልዓሎም ዘይተርፍ እዩ፡፡

ጥንታውያን ግሪኻውያን ፈላስፋታት ንፍቕሪ ብሰለስተ ዓይነትን ኣስማትን ይጽውዕዎ ኔሮም፡፡ ኤሮስ (ጾታዊ ፍቕሪ)፤ ፊልያ (ዕርክነታዊ ፍቕሪ)፤ ኣጋፐ (መለኮታዊ ፍቕሪ) ዝብላ እየን፡፡ በታ ቀዳመይቲ ክንጅምር፡፡

ኤሮስ ፍቕሪ ናይቲ ምሳና ዘየሎ እዩ፡፡ ፍቕሪ ናይቲ ዘይእንታይነትና ብሓጺሩ ፍቕሪ ካልእ ሰብ፡፡ ሓያል ስምዒት ዘበራብር ተመስጦ እዩ፡፡ አረ ኣዝዩ ብርቱዕ ሃረርታ፤ ህርፋንን ፍትወትን ድማ የኸትል፡፡

እዚ ብምሒር ናይ ምውናንን ናይ ውልቅኻ ናይ ምግባርን ስምዒት ዝተሰነየ እዩ፡፡ አፍቅረኪ እየ! እፈትወኪ እየ! ናይ በይነይ፤ ሕዛእተይ ክትኮኒ እየ ዝደሊ፡፡  ኣብ ምሒር ምውናን እቲ ካልእ ስለዘድህብ ድማ ብባህሪኡ ጎንጻዊ እዩ፡፡

ርሕቀትን ቅንኢን መሊሶም እናባርዕዎ ረስኑ ዝውስኽ ረባጺን ብስቓይ እተመልአን ስምዒት እዩ፡፡ ሓጎስን ዕግበትን ኣብ ዘረሓቖ ኩነታት የጉላዕልዕ፡፡

እዚ ብልዑል ረስኒ ዝቃጸል ባርዕ ሰለዝኾነ እቲ ዘደልዮ ምስ ዝረክብ ከም ውርጪ ዝወቕዖ እሳት ህልም ይብል፡፡ ባዕሉ ንባዕሉ ሃሚኹ ድማ ብቕጽበት ይቕህም፡፡ ኢሮስን ሕጉስ ፍቕራዊ ህይወትን ብሓደ ኣይከዳን እየን፡፡ ኢሮስ ኣብቲ ዘየለ፡ ኣብቲ ናይ ማዕዶ፡ ኣብቲ ዘይብጻሕ፤ አብቲ ሕልማዊ ኣብቲ ሃነይነይታዊ እዩ ዝነበር፡፡ ግሪኻውያን ነዚ ዝተሓተ ደረጃ ፍቕሪ ብምባል ይምድብዎ፡፡

ኢሮስ ኣብቲ ዘየለ፡ ኣብቲ ናይ ማዕዶ፡ ኣብቲ ዘይብጻሕ፤ አብቲ ሕልማዊ ኣብቲ ሃነይነይታዊ እዩ ዝነበር፡፡ ግሪኻውያን ነዚ ዝተሓተ ደረጃ ፍቕሪ ብምባል ይምድብዎ፡፡

እዚሲ ምስቲ ምሳና ዝነብር ካልእ ሰብ ፍቕሪ ኤሮስ ክህልወና ኣይክእልን ማለትዶ ኣየስምዕን?

(ካልኣይ ክፋል ኣብ ዝቕጽል!)    


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com