Thursday , April 25 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍናን ፖለቲካን ካልኣይን መውዳእታን ክፋል

ሕራይ…!

ሕጂኸ እቲ ዝያዳ ኣጠቓላሊ ትርጉም ፖለቲካ እንታይ እዩ ምበልና? ኣብ መንጎ መንግሰትን ውልቀሰብን ዝህሉ ርክብ ውጥረት ዝመልኦ እዩ፡፡ እታ መንግስቲ ነቲ ውልቀሰብ ክትመልኮ ትደሊ፤ ንሱ ኸኣ ብግዴኡ ልጓማ ክሕዝ ይብህግ፡፡ ሰልጣን በኸመይ ትጭብጥ? ምስ ጨበጥካዮኸ ብኸመይ ትዕቅቦ? እቲ ኣከራኻርን ምስ ስነ-ምግባርን ዝያዳ ተኣሳሲሩ ዝለዓልን ገጽ ፖለቲካ እዚ እዩ፡፡

ፖለቲካ ካልኣዊን ዝነዓቕን ንጥፈት ጌርካ ምእማን ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤናት ከኸትል”ውን ዝኽእል እዩ፡፡ እንድሕሪ ፖለቲካ ኣየገድሰንን እዩ ዝብል መትከል ሃልዩካ ኮይኑ “ነገራት ሰለምንታይ ከምዚ ዘይኮኑ” ኢልካ ናይ ምምራር መሰልካ ሽዑ ከም ዘጥፋእካዮ ምዝካር የድልየካ፡፡ ክመርሕ ወይ”ውን ዝመርሑኒ ክመርጽ ኣይግድሰንን እዩ ትብል እንተዄንካ ፋሺስት ይኹኑ ጻሕተርቲ ኵናት ናብ መሪሕነት እንተመጹ ከቶ ክገርመካ የብሉን፡፡

ከምቲ ሓደ ፍሉጥ ፈላስፋ ዝበሎ “እቶም ለባማት ካብ ፖለቲካ እንተላጊስና ብረሲኣን ንኽንምራሕ ክንኵነን ኢና”፡፡ እዚ እቲ ዝኸፍአ ኵነኔ እዩ፡፡ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ ድሌት የብለይን ምባል ነቲ ከም ኣባል ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ መጠን ዝህልወካ ውልቃዊ ስልጣን ምብኻንን ሓላፍነትካ ምጥንጣንን እዩ፡፡

ሰነ-ምግባር፤ ለዋህነት፤ ጭውነትን ተወፋይነት ዝኣመሰሉ ብቕዓታት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ብቐጻልነት ስለዘይህልዉ እዩ ፖለቲካ ክውለድ ግድነት ዝኾነ፡፡ ስነምግባር ብምልኣትን ብቐጻልነትን እንተዝነግስ ፖሊሰ፡ ኣብያተ ፍርዲን ወተሃደራትን ኣይመድለዩናን፡፡

አረ መንግስቲ (ፖለቲካ) ዝበሃል”ውን ኣይመድለየናን፡፡ እዞም ዝተጠቕሱ ብቕዓታት ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ ግዜ ብቐጻልነት ከተግብሮም ኢልካ ምጽባይ ግና ዕሽነት እዩ፡፡ ምኽንያቱ ዝበዝሐ እዋን ውልቀሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ዝህልዎ ዝንባለ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኡ ዘተኮረን በለጻዊን እዩ፡፡

እዚ ማለት ግና ፖለቲካ ንውልቀይ በሃልነትካ ክጻባእ እዩ ዝህሉ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብምሒር ስስዕቲ ተደሪኸካ ብዋጋ ናይ ካልኦት ተመሳሳሊ ድርኺት ንበይንኻ ከይትብልጽግ ክቆጻጸረካ ግና ሕጊ፡ ፖሊስን ኣብያተ-ፍርዲን የቕውም፡፡ ፖለቲካ ሰይፊ ዝዕጠቕ ሽውሃትካ ንኸጥፍእ ዘይኮነ ብዓመጽ ዘይግባኣካ ከይትወስድ ንምቕያድ እዩ፡፡

ፖለቲካ ኣብ ኣደባባይ ኮይና ከምዚ ብምባል ትጭርሕ “እነሆ ናብዛ ንስኹምን ኩሉ ከማኹምን ብስስዕቲን ውልቃውነትነን ዝነብረላ ዓለም እልእከኩም ኣሎኹ፡፡ ክእለትኩም ጥበብኩምን ብዝፈቐዶ መጠን ካብታ ሕብስቲ ንምቑራስ ውፈሩ፡፡ ኣይ! ኣነስ በጉልበተይ፡ ኣታሊለ ክበልዕ እየ ዝብል ግና ሰይፊ ንኸንቱ ኣይተዓጠቕኩን እሞ ወይልኹም (እዚ ሕጂ ኣብ ዓለምና ነጊሱ ዝርከብ ርእሰ ማላዊ ፖለቲከዊ ቁጥባ ዓለም በዚ መትከል እዩ ዝምራሕ)፡፡

እዚ ማለት ግና ናይ እኩብ ረብሓ ኣይህሉን ማለት ኣይኮነን፡፡ ውልቃዊ ረብሓና ኣብ ውሽጢ ሓድ እኩብ እነርውየሉ ስምረት ክንፈጥር ምኽኣል ሓደ ካብቲ ኣብ ነዊሕ ዘገምታዊ ምዕባለና ዘጥረናዮ ጥበብ እዩ፡፡ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ናይ ሓባር ተጻባኢ (ጸላኢ) ክህሉ ግድነት እዩ፡፡ ስለዚ ድማ ኣገደስቲ ሓባራዊ ዝንባለታት ብኸምዚ ዝበለ ኣግባብ ክምዕብሉ ይኽእሉ ማለት እዩ፡፡         


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com