Thursday , April 25 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ፍልስፍና ኣብ እዋን ኮቪድ-19።

ፈላስፋታት ብግብሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ምምካት ለበዳ ኮሮና ተሰሊፎም ከይረኣዩና ይኽእሉ እዮም፥ ይዂን’ምበር ዝጻወትዎ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ኣብ እዋን ጸበባ ፍልስፍና ገለ እትብሎ ነገር ይህልዋ እዩ። ለበዳ ኮሮና ንዓለምና ኣጨኒቕዋ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ብፍላይ ጥበብ ፍልስፍና” ስቶይሲዝም” ዝያዳ ኣገዳስነት ረኺቡ’ሎ። ” ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾኑ ነገራት እንከጋጥመካ ምጭናቕ ኣቋርጽ” ዝብል ኣባህላ ሰነካ እታ ልምድቲ መትከል እያ። ሃይማኖተኛታት ብወገኖም ” ኦ ፈጣሪ! ነቲ ዝኽእሎ ብምልኣት ክፍጽሞ፥ ነቲ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ዝኾነ ግና ንኽቕበሎ ዘኽእለኒ ጸጋ ኣይተውሕደለይ!” እትብል ስቶይካዊት ምህለላ ኣላቶም። ለበዳ ኮሮና መሰረታዊ ፖለቲካዊ፥ ስነምግባራዊን ህላውነታዊን ሕቶታት ናብ መድረኽ ኣቐልቂሉ’ሎ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ እዋን ተራ ፍልስፍና እንታይ ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል? ዘ ኣይሪሽ ታይምስ ነዛ ሕቶ ማእከል ብምግባር ምስ ገለ ንጡፋት ሓሰብቲ ኣዘራሪባ ኔራ። ሻርሎት ብሊዝ መስራቲት ፊሎሶፊ ኣየርላንድ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ቦስቶን ተመራማሪት እያ። ንሳ “ኣብ መንጐ እዚ ፍርሂን ጭንቀትን እዞም ፈላስፋታት ደኣ ኣበይ ኣለዉ ዝብሉ ድምጺታት ኣይተሳእኑን። ርግጽ’ዩ ኣንኳይ ከምዚ ዓይነት ኲነታት ተወሲኽዎ ፈላስፋታት ቀደሞም ብሕት ኢልካ ምንባርን ምሕሳብን ልማዶም እዩ። እዚ ይዂን’ምበር ኣብዚ ቅልውላው ክሰዓብ ዝግብኦ ቅኑዕ ኣብ ምሕባር ኣገዳሲ ተራ ኣብ ምጽዋት ይርከቡ ኣለዉ። ንኣብነት ተራን ሓላፍነትን ትካላት ጥዕና ከመይ ዝበለ እዩ? ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብኸመይ እንተ ተመራቕሐ ይሓይሽ? ክኢላ ዝበሃል ከመይ ዝበለ እዩ? ውልቃዊን ኤለትሮኒካዊን ሓበሬታ እናፈተሽካ ለበዳ ንምክልኻል ምፍታን ብዓይኒ ሞራል ቅኑዕ ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ኣገዳሲ ክፋል እዚ መኸተ እዮም።

ፈላስፋታት ፈውሲ ሕማም ምምሃዝ ስርሖም ኣይኰነን። ኣብ መንጐ መርትዖን እቲ ክዉን ዓለምን ዘሎ ተመላላኢ ርክባት ክሳብ ክንደይ እዩ? ፈላስፋታት ካብ መቓን ሕጊን ፖለቲካዊ ውሳኔን ናጻ ኣብ ዝኾነ ኣድማስ ሓሳባት እዮም ዝዓዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ኮርክ መምህር ፍልስፍና ቪቶርዮ ቡፋቺ ድማ ከምዚ ይብል። ኣብ ክኢላታት ዘሎና እምነት ካልኣይ ደረጃ እምነት እዩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ንክኢላታት እንኣምኖም ካልኦት እምነት እነንብረሎም ሰባት (ብፍላይ መንግስቲ) ነዞም ክኢላታት ክንኣምኖም ከም ዘሎና ስለ ዝነግሩና እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ሳይንሰኛታትን ፖለቲከኛታትን እነንብሮ እምነት ዝተፈላለየ እዩ። ፖለቲከኛታት ካብ ክኢላታት ዝረኽብዎ ሓበሬታ ብምጥምዛዝ ንናይ ባዕላቶም ናይ ስልጣን ረብሓ ከውዕሉ ሕጂ ዝተጀመረ ኣይኰነን። በዚ ድማ ” እሞ ንመን ደኣ ኢና እንኣምኖ?” ዝብል ቅኑዕ ሕቶ ምልዓልና ኣይተርፍን። ኣብ እዋን ቅልውላው እቲ ዝዓበየ ካብ ፍልስፍና እንመሃሮ ነገር እንተሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ (መንግስቲ ይበሎ ኣይበሎ ብዘየገድስ ) ሞራላዊ ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ እዩ። እቲ” ጒድኣት ኣወግድ” ዝብል ማሕላ ሂፖክራተስ ንተካል ጥዕና ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን፥ አ ረ ኲሉ ሰብ ክስዕቦ ዝግባእ ሞራላዊ ሕጊ እውን እዩ። ርግጽ’ዩ እዚ ሞራላዊ ግዴታ ገለ ባህ ዘይብል ጾር ክንስከም ዘገድድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ” ለበዳ ኮሮና ንኲነት ወዲሰብ ኣድቂቕና ከነስተንትን እውን ዕድል ዝህብ እዩ።

ብዛዕባ ንሓድሕድን ዘሎና ሞራላዊ ሓላፍነት ክንምርምር ዘኽእለና ናይ ውሸባ ግዜ ኣምጺኡ’ሎ። ነዚ ሓቂዚ ክሒድካ ምንባርን ሓላፍነትካ ዘይምዕያርን ነቲ ኲነታት መሊሱ ከጋድዶ እንተዘይኮይኑ ክሕግዝ ኣይክእልን እዩ። ብውልቅና እውን እንተ ዘይተለኸፍና ከማና ሰባትን መቕርብናን ይልከፉ፥ ይሓሙን ይሞቱን ምህላዎም ብምግንዛብ ኣብ ክንዲ ኣብ ክሕደት ናብ ቀጽሪ ክዉንነት ብምምላስ” እቲ ቅኑዕ ዝበሃል ህይወት ከመይ ዝበለ እዩ” ናብ ዝብል ሕቶን ጥልቕ ዝበለ ኣስተንትኖን እንተመሪሑና እዚ ሕማም ኣብ ምጥፋኡ ዝሓሹ ሰባት ኴንና ናይ ምውጻእ ዕድል ክህልወና እዩ። ከምቲ ሶቅራጠስ ዝበሎ” ብዓሚቚ ነብሰ ፍተሻ ዘይሓለፈት ህይወት ምንም ረብሓ የብላን”። ፍልስፍና ዘይ ከም ካልኦት ዓውደ ፍልጠታት ናይ ቀጻሊ ምሕታትን ኣብዚ ዝተመርኮሱ መትከላት ዝሕጐድሉን ጥበብ እዩ ። ፍቕሪ ጥበብ ዝመሰረቱ ሜላ መንብሮ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ እዋን ቅልውላው ኣገዳስነቱ እንተዘይወሲኹ ብምንም ኣይንኪን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com